ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማቴዎስ 6:1-34

ትሕዝቶ

  • ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት (1-34)

    • ንርኣዩለይ ካብ ዚግበር ጽድቂ ርሓቑ (1-4)

    • ከመይ ከም ዚጽለ (5-15)

      • ኣብነት ዚኸውን ጸሎት (9-13)

    • ጾም (16-18)

    • ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ (19-24)

    • ኣይትጨነቑ (25-34)

      • ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ (33)

6  “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ ኣይኪህልወኩምን እዩ።  ስለዚ፡ ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺምጎሱ ኢሎም ኣብ ምኵራባትን ኣብ ጐደናታትን ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።  ንስኻ ኽትምጽውት ከለኻ ግና፡ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፣  በዚ ኸምዚ ምጽዋትካ ብሕቡእ ይኸውን። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ።+  “ክትጽልዩ ኸለኹም እውን፡ ከምቶም ግቡዛት ኣይትኹኑ፣+ ንሳቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ኣብ ምኵራባትን ኣብ መኣዝናት ጐደናታትን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም።+ ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።  ንስኻ ኽትጽሊ ኸለኻ ግና፡ ናብ ብሑት ክፍልኻ እቶ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ኸኣ፡ ናብቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ፣+ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ፡ ኪኽሕሰካ እዩ።  ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ።  እምበኣር፡ ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ ኣይትምሰልዎም።  “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦+ “‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ+ ይቀደስ።+ 10  መንግስትኻ+ ትምጻእ። ፍቓድካ+ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።+ 11  ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።+ 12  ንሕና ንዝበደሉና* ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና* ሕደገልና።+ 13  ካብቲ እኩይ ኣድሕነና+ እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።’+ 14  “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣+ 15  ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+ 16  “ክትጾሙ ኸለኹም፡+ እቶም ግቡዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ኢሎም ገጾም የጸምልዉ* እዮም እሞ፡ ደጊም ከማታቶም ገጽኩም ኣይተጸምልዉ።+ ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 17  ንስኻ ኽትጸውም ከለኻ ግና፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ እውን ተሓጸብ፣ 18  ሽዑ፡ ጸዋሚ ምዃንካ፡ ብሰብ ዘይኰነስ፡ በቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ኽትርአ ኢኻ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ። 19  “ብልዒ* ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ።+ 20  ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡+ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ።+ 21  መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። 22  “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ።+ ዓይንኻ ትኵርቲ* እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። 23  ዓይንኻ ቐናእ*+ እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት! 24  “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣+ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።+ 25  “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዛዕባ ህይወትኩም* ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ+ ደጊም ኣይትጨነቑ።+ ህይወት* ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧+ 26  ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣+ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧ 27  ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት* ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧+ 28  ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ እትጭነቑ፧ ካብቲ ዕምባባታት* መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። 29  ኣነ ግና፡ ሰሎሞን+ እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። 30  ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31  እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’+ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።+ 32  ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም። እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33  “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።+ 34  እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ።+ ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንሰብ ዕዳና።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕዳና።”
ወይ፡ “ነብሶም ኣይኣልዩን።”
ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።
ወይ፡ “ጽርይቲ።” ቃ.ቃ.፡ “ቀላል (ዘይተሓላለኸት)።”
ቃ.ቃ.፡ “ክፍእቲ፣ እክይቲ።”
ወይ፡ “ንነፍስኹም።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ሹሻን።”