ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማቴዎስ 15:1-39

ትሕዝቶ

  • ስርዓት ሰብ ተቓልዐ (1-9)

  • ርኽሰት ካብ ልቢ ይወጽእ (10-20)

  • ዓባይ እምነት እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ (21-28)

  • የሱስ ንብዙሓት ሕሙማት ኣሕወየ (29-31)

  • የሱስ ን4,000 መገበ (32-39)

15  ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡+  “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ዚጥሕሱ፧ ንኣብነት፡ ቅድሚ ምብላዖም ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን* እዮም፧” በልዎ።+  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ኢልኩም ትእዛዝ ኣምላኽ እትጥሕሱ፧+  ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’+ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ* ይቀተል’ ኢሉ እዩ።+  ንስኻትኩም ግና፡ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ መባእ ገይረዮ እየ” ዚብል፡+  ንኣቦኡ ኬኽብሮ ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ። እምበኣር፡ ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም።+  ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦+  ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ።  ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’”+ 10  ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስምዑን ኣስተውዕሉን፦+ 11  ንሰብ ዜርክሶ፡ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ብኣፍ ዚኣቱስ ኣይኰነን ዜርክሶ።”+ 12  ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ “ፈሪሳውያን ንዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ።+ 13  ንሱ ግና፡ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ተኽሊ ኺምንቈስ እዩ። 14  ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ መለሰ።+ 15  ጴጥሮስ ድማ፡ “ነዛ ምሳሌ እዚኣ ተርጕመልና” በሎ። 16  ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም እውንዶ ገና ኣይትርድኡን ኢኹም፧+ 17  ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ፡ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 18  እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።+ 19  ንኣብነት፡ ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡+ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡* ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ። 20  እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሓጽባ* ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ።” 21  የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ዞባታት ጢሮስን ሲዶንን ከደ።+ 22  እንሆ ድማ፡ ካብቲ ዞባ እቲ ዝዀነት ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ መጺኣ፡ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ። ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ” እናበለት ጨርሐት።+ 23  ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ “እናጨርሐት ደድሕሬና ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኣፋንዋ” ኢሎም ለመንዎ። 24  ንሱ ግና፡ “ብዘይካ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል፡ ናብ ካልእ ኣይተልኣኽኩን” ኢሉ መለሰ።+ 25  እታ ሰበይቲ ግና ቀሪባ፡ “ጐይታይ፡ ርድኣኒ” እናበለት ሰገደትሉ።* 26  ንሱ ኸኣ፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ። 27  ንሳ ግና፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለት።+ 28  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፣ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ” ኢሉ መለሰላ። ጓላ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዛ ሓወየት። 29  የሱስ ካብኡ ነቒሉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ፣+ ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብኡ ተቐመጠ። 30  ሽዑ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ሓንካሳትን ቈራያትን ዕዉራትን ዓባሳትን ብዙሓት ካልኦትን ሒዞም ናብኡ ቐረቡ፣ ኣብ ጥቓ እግሩ ድማ ኣንበርዎም፣ ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም።+ 31  እቶም ህዝቢ ድማ፡ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሓውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራት ኪርእዩ ምስ ረኣዩ፡ ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣሞገስዎ።+ 32  የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ።+ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸይሕለሉ ጾሞም ከሰናብቶም ኣይደልን እየ” በሎም።+ 33  እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኣብዛ ጽምውቲ ቦታ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧” በልዎ።+ 34  የሱስ ድማ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ፡ ሒደት ንኣሽቱ ዓሳ እውን” በልዎ። 35  ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ድሕሪ ምእዛዙ፡ 36  ነተን ሸውዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።+ 37  ኵላቶም በሊዖም ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።+ 38  እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ 4,000 ሰብኡት ነበሩ። 39  ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበተ ኸኣ፡ ናብ ጃልባ ደዪቡ፡ ናብ ዞባ መገዳን* መጸ።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ስርዓት ምንጻህ ኣይስዕቡን።
ወይ፡ “ዚጻረፍ።”
ብግሪኽኛ ፖርኒያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ ስርዓት ምንጻህ ዘይሓለወ።
ወይ፡ “ኢድ ነስኣትሉ።”
መገዳን ተባሂሉ ዘሎ፡ ምስቲ መግደላ ዚብሃል ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ።