ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማርቆስ 7:1-37

ትሕዝቶ

  • ስርዓታት ሰብ ተቓልዐ (1-13)

  • ርኽሰት ካብ ልቢ ይመጽእ (14-23)

  • እምነት ሶርያ-ፊንቄኣዊት ሰበይቲ (24-30)

  • ጸማም ሓወየ (31-37)

7  ካብ የሩሳሌም ዝመጹ ፈሪሳውያንን ገለ ኻብ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ።+  ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሓጽባ* ኣእዳው ኪበልዑ ረኣዩ።  (ከመይሲ፡ ፈሪሳውያንን ኵሎም ኣይሁድን፡ ስርዓት ቀዳሞት ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ክሳዕ ኵርናዕ ኢዶም እንተ ዘይተሓጺቦም ኣይበልዑን ነበሩ፣  ካብ ዕዳጋ ምስ መጹ እውን፡ እንተ ዘይተሓጺቦም ኣይበልዑን ነበሩ። ከም ምጥላቕ ጣሳን ዕትሮን ኣቕሓ ነሓስን ዝኣመሰለ ኺሕልውዎ ዘለዎም ብዙሕ ካልእ ስርዓታት እውን ነበሮም።)+  እዞም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን እዚኦም፡ “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ከይሕልዉስ፡ ብዝረኸሳ ኣእዳው ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ።+  ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’+  ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም” በሎም።+  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብሜላ ተፍርሱ ኣለኹም።+ 10  ንኣብነት፡ ሙሴ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’+ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ* ይቀተል’ ኢሉ እዩ።+ 11  ንስኻትኩም ግና፡ ‘ሓደ ሰብ ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ ቍርባን (ማለት፡ መባእ) ገይረዮ እየ” እንተ ኢሉ፡’ 12  ደጊም ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሓንቲ እኳ ኺገብረሎም ኣይትሓድግዎን።+ 13  በዚ ኸምዚ፡ በቲ እተመሓላልፍዎ ስርዓት ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ትገብርዎ።+ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ እውን ትገብሩ ኢኹም።”+ 14  ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ “ኵላትኩም ስምዑንን ትርጉሙ ተረድኡን።+ 15  እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ኻብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱስ ኬርክሶ ኣይክእልን እዩ” በሎም።+ 16  *—— 17  ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እታ ምሳሌ ሓተትዎ።+ 18  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ንስኻትኩም እውንዶ ኸማታቶም ኣይትርድኡን ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ፡ ኬርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19  ከመይሲ፡ ናብ ልቢ ዘይኰነስ፡ ናብ ከብዲ እዩ ዚወርድ፣ ንግዳም ከኣ ይወጽእ።” በዚ ኸምዚ፡ ንዅሉ ምግቢ ኣንጽሀ። 20  ከምዚ ድማ በለ፦ “እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ።+ 21  ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዚወጽእሲ፡+ ጐዳኢ ሓሳብ፡ ምንዝርና፡* ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22  ዝሙት፡ ስስዐ፡ እከይ፡ ተንኰል፡ ንውርምና፡* ቅንኢ፡* ጸርፊ፡ ትዕቢት፡ ዕሽነት እዩ። 23  እዚ ዅሉ እከይ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ።” 24  ካብኡ ተንሲኡ ናብ ዞባ ጢሮስን ሲዶንን ከደ።+ ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፣ ሓደ እኳ ኺፈልጥ ድማ ኣይደለየን። ግናኸ፡ ኪሕባእ ኣይከኣለን። 25  ብኡብኡ፡ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መጸት እሞ፡ ኣብ እግሩ ተደፍአት።+ 26  እታ ሰበይቲ ግሪኻዊት፡ ዜግነታ* ሶርያ-ፊንቄኣዊት ነበረት፣ ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27  ንሱ ግና፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ቅድም እቶም ውሉዳት ይጽገቡ” በላ።+ 28  ንሳ ግና፡ “እወ ጐይታይ፡ ኰራኹር እውን ካብ ትሕቲ መኣዲ ርፍራፍ ውሉዳት ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ። 29  ሽዑ፡ ንሱ፡ “ከምኡ ስለ ዝበልኪ፡ ኪዲ፣ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ ኣሎ” በላ።+ 30  ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት ደቂሳ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ።+ 31  የሱስ ካብ ዞባ ጢሮስ ምስ ተመልሰ፡ ብሲዶን ኣቢሉ፡ ብዞባ ደካጶሊስ* ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ።+ 32  ሓደ ጸማምን ለኻትን ድማ ኣምጽኡሉ፣+ ኢዱ ኼንብረሉ ኸኣ ለመንዎ። 33  ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛን እቲ ሰብኣይ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ።+ 34  ናብ ሰማይ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኣዕሚቑ ድሕሪ ምስትንፋስ ከኣ፡ “ኤፋታ” በሎ፣ እዚ ኸኣ፡ “ተኸፈት” ማለት እዩ። 35  ሽዑ፡ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡+ ማእሰርቲ ልሳኑ ተፈትሐ፡ ኣጽርዩ ድማ ተዛረበ። 36  ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም፣+ ብመጠን እቲ ዚእዝዞም ዝነበረ ግና፡ ኣዝዮም የውርዩ ነበሩ።+ 37  ብዙሕ ይግረሙ፡+ “ንዅሉ ጽቡቕ ገይርዎ። ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከኣ ከም ዚዛረቡ ገይሩ” ድማ ይብሉ ነበሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ስርዓት ምንጻህ ዘይሓለዋ።
ወይ፡ “ዚጻረፍ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ3 ርአ።
ብግሪኽኛ ፖርኒያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነት።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቀናእ ዓይኒ።”
ወይ፡ “ትውልዳ።”
ወይ፡ “ብዞባ ዓሰርተ ኸተማ።”