ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማርቆስ 3:1-35

ትሕዝቶ

  • ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ሓወየ (1-6)

  • ኣብ ገምገም ባሕሪ እተኣከበ ብዙሕ ህዝቢ (7-12)

  • እቶም 12 ሃዋርያት (13-19)

  • ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ (20-30)

  • ኣደን ኣሕዋትን የሱስ (31-35)

3  ከም ብሓድሽ ድማ፡ ናብ ምኵራብ ኣተወ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።+  ምእንቲ ኪኸስስዎ ድማ፡ ነቲ ሰብኣይ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ይከታተልዎ ነበሩ።  ንሱ ኸኣ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት* ሰብኣይ፡ “ተንስእ እሞ፡ ንዓ ናብ ማእከል” በሎ።  ንዓታቶም ድማ፡ “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር ድዩ ተፈቒዱ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንህይወት* ምድሓን ድዩ ወይስ ምቕታል፧”+ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።  በቲ ትሪ ልቦም+ ጕህዩ ብቝጥዓ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶም ከኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፡ ኢዱ እውን ሓወየት።  ሽዑ፡ እቶም ፈሪሳውያን ወጹ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን+ ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።  የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣልገሰ፣ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ድማ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።+  ክንደይ ብዙሕ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌምን ካብ ኤዶምያስን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ካብ ከባቢ ጢሮስን ሲዶንን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ መጹ።  ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኼዳልዉሉ ነገሮም። 10  ንብዙሓት ስለ ዘሕወዮም፡ ኵሎም እቶም ዜቐንዙ ሕማም ዝነበሮም ኪትንክይዎ ኢሎም ዓጒጎምዎ ነበሩ።+ 11  ርኹሳት መናፍስቲ እውን+ ምስ ረኣይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ይጭድሩ ነበሩ።+ 12  ብዙሕ ሳዕ ግና፡ ከየግህድዎ ብጽኑዕ ኣዘዞም።+ 13  ናብ ከረን ደዪቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዖም፣+ ንሳቶም ከኣ ናብኡ መጹ።+ 14  ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ድማ ሓረየ፣* ከምኡ ዝገበረ እውን፡ ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን 15  ንምውጻእ ኣጋንንቲ ስልጣን ምእንቲ ኺህልዎምን ኢሉ እዩ።+ 16  እቶም ዝሓረዮም* 12+ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምኦን፡+ 17  ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓው ያእቆብን (ነዚኣቶም ድማ ቦኣኔርጌስ፡ ማለት “ደቂ ነጐዳ” ኢሉ ሰመዮም)፡+ 18  እንድርያስ፡ ፊልጶስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ማቴዎስ፡ ቶማስ፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን እቲ ቐነናዊ፡* 19  እቲ ደሓር ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ። ናብ ቤት ከኣ ኣተወ። 20  ምብላዕ ክሳዕ ዚስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ህዝቢ ተኣከበ። 21  ኣዝማዱ ምስ ሰምዑ ግና፡ “ተጸሊሉ” ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ።+ 22  ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ “ብኤል-ዜቡል* ኣለዎ፣ ንኣጋንንቲ ኸኣ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም” ይብሉ ነበሩ።+ 23  ንዓታቶም ጸውዖም እሞ፡ ብምሳሌታት ከምዚ በሎም፦ “ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኼውጽኦ ይኽእል፧ 24  መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተኸፋፊላ፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ፣+ 25  ቤት ንሓድሕዳ እንተ ተኸፋፊላ ኸኣ፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 26  ሰይጣን ኣንጻር ርእሱ እንተ ተላዒሉን እንተ ተኸፋፊሉን እውን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን እዩ። 27  ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቕሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን፣ ድሕሪኡ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 28  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። 29  ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ዘበለ ግና፡ ብናይ ዘለኣለም ሓጢኣት ተሓታቲ ይኸውን እምበር፡+ ንዘለኣለም ሕድገት ኣይረክብን እዩ።”+ 30  እዚ ዝበለ፡ “ርኹስ መንፈስ ኣለዎ” ስለ ዝበሉ እዩ።+ 31  ኣዲኡን ኣሕዋቱን+ መጺኦም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም፡ ዚጽውዕ ለኣኹሉ።+ 32  ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ኸሎ፡ “እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልዎ።+ 33  ንሱ ግና፡ “ኣደይን ኣሕዋተይን መን እዮም፧” ኢሉ መለሰሎም። 34  ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዝነበሩ ጠሚቱ ኸኣ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ፡ እነዉ!+ 35  ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዝለመሰት።”
ወይ፡ “ንነፍሲ።”
ወይ፡ “ሸመ።”
ወይ፡ “ዝሸሞም።”
ወይ፡ “እቲ ቐናእ።”
ንሰይጣን ዜመልክት መጸውዒ።