ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማርቆስ 13:1-37

ትሕዝቶ

  • መደምደምታ ስርዓት ዓለም (1-37)

    • ውግእ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ጥሜት (8)

    • ብስራት ይስበኽ (10)

    • ብርቱዕ ጸበባ (19)

    • ምምጻእ ወዲ ሰብ (26)

    • ምሳሌ እታ ኦም በለስ (28-31)

    • ንቕሑ (32-37)

13  የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ “መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻን እሞ ርአ!” በሎ።+  የሱስ ግና፡ “ነዚ ዓብዪ ህንጻስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎ።+  ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፡  “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መዓስ ከም ዚድምደም ዚሕብር ምልክትከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  የሱስ ከኣ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።+  ‘ኣነ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም።  ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ፣ እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።+  “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣+ ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣ ጥሜት ከኣ ኪኸውን እዩ።+ እዚ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።+  “ንስኻትኩም ግና ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡+ ኣብ ምኵራባት ኪወቕዑኹም፡+ ምእንታይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን ነገስታትን ኬቝሙኹም እዮም።+ 10  ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።+ 11  ኣሕሊፎም ንምሃብ ኪወስዱኹም ከለዉ ድማ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፣ መንፈስ ቅዱስ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ በታ ሰዓት እቲኣ እተዋህበኩም ዘበለ ተዛረቡ።+ 12  ሓው ንሓዉ፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኺህብ እዩ፣ ውሉዳት ኣብ ልዕሊ ወለዶም ኪልዓሉን ኬቕትልዎምን እዮም።+ 13  ስለ ስመይ ከኣ፡ ብዅሉ ኽትጽልኡ ኢኹም።+ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና+ ኪድሕን እዩ።+ 14  “ግናኸ፡ እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ዘይግብኦ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 15  ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኣይውረድ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኢሉ እውን ኣይእቶ፣ 16  ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን!+ 18  እዚ ብኽረምቲ ኸይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 19  ኣብተን መዓልትታት እቲአንሲ፡ ካብታ ኣምላኽ መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ፡+ ከቶ ድማ ዘይከውን ጸበባ+ ኪኸውን እዩ። 20  የሆዋ* ነተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ ነተን መዓልትታት እቲአን ኬሕጽረን እዩ።+ 21  “ሽዑ እውን፡ ዝዀነ ሰብ፡ ‘እንሆ፡ ክርስቶስ ኣብዚ ኣሎ’ ወይ ‘እንሆ፡ ኣብቲ ኣሎ’ እንተ ኢሉኩም፡ ኣይትእመኑ።+ 22  ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ፡+ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም። 23  ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ።+ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ። 24  “በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ድሕሪ እቲ ጸበባ እቲ፡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣+ 25  ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሓይልታት እውን ኪናወጹ እዮም። 26  ሽዑ ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ብደበናታት ኪመጽእ ከሎ፡+ ኪርእይዎ እዮም።+ 27  ሽዑ ኸኣ፡ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ንሕሩያቱ እውን ካብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳብ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ።+ 28  “ካብ ኦም በለስ፡* እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።+ 29  ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ኪኸውን ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ።+ 30  እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።+ 31  ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡+ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 32  “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ፡ ኣቦ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።+ 33  እቲ ምዱብ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡+ ተቛመቱን ንቕሑን።+ 34  ከምቲ ቤቱ ሓዲጉ ዝገሸ እሞ ንባሮቱ ስልጣን ዝሃቦም፡+ ንነፍሲ ወከፍ ዕዮኡ፡ ንሓላው ማዕጾ እውን ኪነቅሕ ዝኣዘዞ ሰብ እዩ።+ 35  እምበኣር፡ እቲ ብዓል ቤት መዓስ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ንግሆ ኺመጽእ ይኽእል እዩ እሞ፡+ ንቕሑ፣+ 36  እዚ ኸኣ፡ ብሃንደበት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩም እዩ።+ 37  እዚ ንዓኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ፦ ንቕሑ።”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ እስራኤል፡ ሓጋይ ኣእዋም ዚፈርየሉ ወቕቲ እዩ።