ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ማርቆስ 11:1-33

ትሕዝቶ

  • የሱስ ብዓጀባ ኣተወ (1-11)

  • ኦም በለስ ተረግመት (12-14)

  • የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ (15-18)

  • ካብታ ዝነቐጸት ኦም በለስ ዚርከብ ትምህርቲ (19-26)

  • ንስልጣን የሱስ ብድሆ ቐረበሉ (27-33)

11  ናብ የሩሳሌም፡ ናብተን ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚርከባ ቤት-ፋጌን ቢታንያን+ ምስ ቀረቡ ድማ፡ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣+  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ናብኣ ምስ ኣቶኹም ከኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ሰብ ተወጢሕዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽእዎ።  ገለ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧’ እንተ ኢሉኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎ ኣሎ፡ ቀልጢፉ እውን ናብዚ መሊሱ ኺሰድዶ እዩ’ በሉ።”  ምስ ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ኣብ ኣፍ ደገ፡ ኣብ ጥቓ ጐደና ተኣሲሩ ረኸብዎ፡ ፈትሕዎ ድማ።+  ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ “እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ነቲ ጻዕብ እትፈትሕዎ ዘለኹም፧” በልዎም።  ንሳቶም ድማ ከምቲ የሱስ ዝበሎም በልዎም እሞ፡ ሓደግዎም።  ነቲ ጻዕብ ድማ ናብ የሱስ ኣምጽእዎ፣+ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሉ፣ ንሱ ኸኣ ተወጥሖ።+  ብዙሓት እውን ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፣ ካልኦት ከኣ ካብ ግራውቲ፡ ጨናፍር ሰልዑ።+  እቶም ቀቅድሚኡ ዚኸዱን ደድሕሪኡ ዚስዕቡን ዝነበሩ፡ ከምዚ እናበሉ ጨደሩ፦ “በጃኻ ኣድሕን!+ ብስም የሆዋ* ዚመጽእ ብሩኽ እዩ!+ 10  እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ!+ ኣብ ላዕሊ ዘለኻ በጃኻ ኣድሕን!” 11  ናብ የሩሳሌም ኣትዩ ኸኣ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ከደ፣ ንዅሉ ግልጽ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመተ ድማ፡ ግዜ ኸይዱ ስለ ዝነበረ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ኸደ።+ 12  ንጽብሒቱ ኻብ ቢታንያ ምስ ወጹ፡ ጠመየ።+ 13  ብርሑቕ ከኣ ቈጻል ኦም በለስ* ረኣየ፣ ምናልባት ገለ እንተ ረኸበላ ኺርኢ ድማ ናብኣ ኸደ። ናብኣ ምስ መጸ ግና፡ ግዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ኣቝጽልቲ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበን። 14  ስለዚ ድማ፡ “ደጊም ካባኺ ሓደ እኳ ንሓዋሩ ፍረ ኣይብላዕ” በላ።+ ደቀ መዛሙርቱ እውን ይሰምዑ ነበሩ። 15  ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ድማ፡ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚሸጡን ዚዕድጉን ዝነበሩ ኺሰጕጎም ጀመረ፣ ሰደቓታት ኣሽረፍትን መናብር እቶም ረገቢት ዚሸጡ ዝነበሩን ከኣ ገልበጠ፣+ 16  ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ኪሓልፍ ኣይፈቐደን። 17  “‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ’ ዚብል ጽሑፍዶ የሎን፧+ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ”+ እናበለ ድማ መሃሮም። 18  ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ሰምዑ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ድማ መገዲ ደለዩ፣+ ከመይሲ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብትምህርቱ ይግረም ስለ ዝነበረ፡ ይፈርህዎ ነበሩ።+ 19  ምስ መሰየ ድማ፡ ካብታ ኸተማ ወጹ። 20  ኣንጊሆም ኪሓልፉ ኸለዉ ኸኣ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ።+ 21  ጴጥሮስ ድማ ዘኪርዋ፡ “መምህር፡* እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ” በሎ።+ 22  የሱስ ኪምልስ ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ብኣምላኽ እመኑ። 23  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ ዚብሎ እሞ፡ እቲ ዚብሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይጠራጠር ዘበለ፡ ከምኡ ኪዀነሉ እዩ።+ 24  ስለዚ ድማ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ኵሉ እቲ እትጽልይዎን እትልምንዎን፡ ከም እተቐበልኩምዎ ጌርኩም እመኑ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም።+ 25  ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸለኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሓድገልኩም፡ ንዝዀነ ሰብ ዝሓዝኩምሉ ዘበለ ሕደጉሉ።”+ 26  *—— 27  ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኪኸይድ ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጺኦም፡ 28  “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ፧” በልዎ።+ 29  የሱስ ድማ፡ “ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። መልሱለይ እሞ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30  ጥምቀት ዮሃንስ+ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስከ መልሱለይ” በሎም።+ 31  ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። 32  ‘ካብ ሰብ’ ክንብልዶ፧” ኵላቶም ንዮሃንስ ብሓቂ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ነበሩ እሞ፡ ንህዝቢ ፈርሁ።+ 33  ስለዚ፡ ንየሱስ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ረቢ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ3 ርአ።