ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሚክያስ 6:1-16

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ኣንጻር እስራኤል ዘቕረቦ ጕዳይ (1-5)

  • የሆዋ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ (6-8)

    • ፍትሒ፡ ተኣማንነት፡ ትሕትና (8)

  • በደል እስራኤልን መቕጻዕቱን (9-16)

6  እቲ የሆዋ ዚብሎ ዘሎ በጃኹም ስምዑ። ተንስእ፡ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ኣቕርብ፡ ኵርባታት እውን ድምጽኻ ይስማዕ።+   ጕዳይ የሆዋስ ምስ ህዝቡ እዩ፡ ኣንጻር እስራኤል ከኣ ኪማጐት እዩ እሞ፡+ ኣቱም ኣኽራን፡ ኣቱም ጽኑዕ መሰረታት ምድሪ፡ ጕዳይ የሆዋ ስምዑ፦+   “ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ እየ ገይረካ፧ ከመይ ገይረኸ እየ ኣድኪመካ፧+ ኣንጻረይ መስክር።   ኣነስ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺአካ፡+ ካብ ቤት ባርነት ከኣ ተበጅየካ፣+ ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን ድማ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም።+   ኣታ ህዝበይ፡ ግብርታት ጽድቂ የሆዋ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በጃኻ እቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝኣመሞ፡+ እቲ በላዓም ወዲ ቤዖር እውን ዝመለሰሉ፡+ እቲ ኻብ ሺጢም+ ክሳብ ጊልጋል+ ዝዀነ ዘክር።”   ናብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፧ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽከ እንታይ ሒዘ ኽሰግድ፧ ናብ ቅድሚኡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ምራኹት ሓደ ዓመት ሒዘዶ ኽመጽእ፧+   የሆዋዶ ብኣሽሓት ደዓውልን ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፧+ ስለ በደለይሲ በዅሪ ወደይ፡ ስለ ሓጢኣተይከ* ፍረ ኸርሰይዶ ኽህብ እየ፧+   ኣታ ሰብ፡ ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ። የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ፍትሒ ኽትገብር፡*+ ተኣማንነት ክትፈቱ፡*+ ምስ ኣምላኽካ+ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ+ ጥራይ እዩ!   ድምጺ የሆዋ ንኸተማ ይጽውዓ፣ እቶም ግብራዊ ጥበብ ዘለዎም ንስምካ ኺፈርሁ እዮም። ነቲ በትርን ነቲ ዘዳለዎን ኣቕልቡሉ።+ 10  ኣብ ቤት እኩይሲ ገናዶ መዛግብቲ እከይን ፍንፉን ኤፋን* ኣሎ፧ 11  ብዘይቅኑዕ ሚዛንን ብኸረጺት መታለሊ እምኒ መምዘንንዶ ብስነ ምግባር ንጹህ ክኸውን እኽእል እየ፧+ 12  ሃብታማታስ ዓመጻ ዝመልኦም እዮም፣ ነበርታ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፣+ ልሳኖም ከኣ ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።+ 13  “ስለዚ፡ ወቒዐ ከቝስለካ፡+ ብሰሪ ሓጢኣትካ ኸባድመካ እየ። 14  ክትበልዕ፡ ግናኸ ኣይክትጸግብን ኢኻ፣ ውሽጥኻ ባዶ ኪኸውን እዩ።+ ነቲ እትኣልዮ፡ ኣይክትዓቝሮን ኢኻ፣ ነቲ እትዓቝሮ ኸኣ፡ ንሰይፊ ኽህቦ እየ። 15  ክትዘርእ፡ ግናኸ ኣይክትዓጽድን ኢኻ። ኣውልዕ ክትረግጽ፡ ግናኸ ዘይቱ ኣይክትጥቀመሉን ኢኻ፣ ጕዕሽ ወይኒ ኽትገብር፡ ግናኸ ወይኒ ኣይክትሰትን ኢኻ።+ 16  ንስኻትኩምሲ ሕጊ ዖምሪን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣከኣብን ትሕልዉ፡+ ከም ምኽሮም ከኣ ትመላለሱ ኢኹም። ስለዚ፡ መሰክሒ ኽገብረካ፡ ንነበርታ ድማ መፋጸዪ ኽገብር እየ፣+ ንዕቀት ህዝብታት ድማ ክትጾሩ ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስለ ሓጢኣት ነፍሰይከ።”
ወይ፡ “ፍትሓዊ ኽትከውን።”
ወይ፡ “ብለውሃትን ብተኣማንነት ከተፍቅር።” ቃ.ቃ.፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኽትፈቱ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።