ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ሚክያስ 3:1-12

ትሕዝቶ

  • መራሕትን ነብያትን ተዀነኑ (1-12)

    • ሚክያስ ብመንፈስ የሆዋ ሓይሊ ተመልአ (8)

    • ካህናት ብገንዘብ ይምህሩ (11)

    • የሩሳሌም ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ (12)

3  ከምዚ ድማ በልኩ፦ “ኣቱም ርእስታት ያእቆብ፡ ኣቱም ኣዘዝቲ ቤት እስራኤል፡ በጃኹም ስምዑ።+ ፍትሒ ዘበለስ ክትፈልጡዶ ኣይግብኣኩምን፧   ንስኻትኩም ግና ጽቡቕ ትጸልኡ፡+ ክፉእ ከኣ ትፈትዉ ኢኹም፣+ ቈርበቶም ካብ ህዝበይ ትቐልጡ፡ ስጋኦም እውን ካብ ኣዕጽምቶም ትስጥዩ።+   ስጋ ህዝበይ እውን ትበልዑ፣+ ቈርበቶም ትቐልጡ፣ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፡ ኣብ ድስቲ ዚስኽተት ስጋ ኪዀኑ፡ ኣዕጽምቶም ትሰብሩን ትሕምሽሹን።+   ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ኺምህለሉ እዮም፣ ንሱ ግና ኣይኪምልሰሎምን እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብሰንኪ እቲ እኩይ ግብርታቶም፡ ገጹ ኺሓብኣሎም እዩ።+   የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዜስሕቱ ዘለዉ፡+ ብኣስናኖም እናነኸሱ፡*+ ‘ሰላም!’ ኢሎም ዚእውጁ፡+ ናብ ኣፎም ገለ እኳ ንዘየዀለሰ ግና ውግእ ዚእውጁ* ነብያት ከምዚ ይብል፦   ‘ለይቲ እምበር፡+ ራእይ ኣይኪዀነልኩምን፡+ ጸልማት ጥራይ እምበር፡ ጥንቈላ ኣይኪዀነልኩምን እዩ። ጸሓይ ኣብ ነብያት ክትዓርብ፡ መዓልቲ ኸኣ ክትጽልምቶም እያ።+   እቶም ሰብ ራእይ ኪሓንኩ፡+ እቶም ጠንቈልቲ ድማ ኪሓፍሩ እዮም። ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡ ኵላቶም ጭሕሞም* ኪኸድኑ እዮም።’”   ኣነ ኸኣ ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ድማ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፡ ብመንፈስ የሆዋ ሓይልን ፍትሕን ብርታዐን ተመሊአ ኣለኹ።   ኣቱም ርእስታት ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ኣዘዝቲ ቤት እስራኤል፡+ በጃኹም እዚ ስምዑ፣ ንስኻትኩም ፍትሒ ትፍንፍኑ፡ ንዅሉ ቕኑዕ ከኣ ተቕንኑ፣+ 10  ንጽዮን ብምፍሳስ ደም፡ ንየሩሳሌም ድማ ብዓመጻ ትሃንጹ።+ 11  መራሕታ* ብጉቦ ይፈርዱ፣+ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡+ ነብያታ ኸኣ ብገንዘብ* ይጥንቍሉ።+ ግናኸ፡ “የሆዋስ ምሳና ደይኰነን፧+ መዓት ኣይኪወርደናን እዩ”+ እናበሉ ናብ የሆዋ ይጽግዑ።* 12  ስለዚ፡ ብሰርኹም፡ ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ከኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ፣+ ከረን እታ ቤት* ድማ ኣብ ዱር ከም ዘሎ በረኽቲ* ኪኸውን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብኣስናኖም ዚሓይክዎ ነገር ሒዞም” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ዚቕድሱ።”
ማለት፡ ሸነብ ወይ ጭሕሚ ላዕለዋይ ከንፈር። ወይ፡ “ኣፎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስታታ።”
ወይ፡ “ብብሩር።”
ወይ፡ “ኣብ የሆዋ ኸም ዚጽግዑ ይዛረቡ።”
ወይ፡ “ከረን እታ ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ከም ኵርባ ኣእዋም።”