ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 99:1-9

ትሕዝቶ

  • የሆዋ፡ ቅዱስ ንጉስ

    • ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ (1)

    • ይቕረ ዚብልን ዚቐጽዕን ኣምላኽ (8)

99  የሆዋ ነጊሱ።+ ህዝብታት ራዕራዕ ይበሉ። ንሱ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ ምድሪ ትናወጽ።   የሆዋ ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ድማ ልዑል እዩ።+   ዜፍርህን ቅዱስን እዩ እሞ፡ ነቲ ዓብዪ ስምካ ይወድስዎ።+   ፍትሒ ዚፈቱ ሓያል ንጉስ እዩ።+ ንስኻ ቕንዕና ኣጽኒዕካ። ኣብ ያእቆብ ፍትሕን ጽድቅን ኣምጺእካ።+   ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ድኳ እግሩ ኸኣ ስገዱ።*+ ንሱ ቕዱስ እዩ።+   ሙሴን ኣሮንን ካብ ካህናቱ እዮም፣+ ሳሙኤል ከኣ ካብቶም ስሙ ዚጽውዑ እዩ።+ ንየሆዋ ይጽውዕዎ፡ ንሱ ድማ ይምልሰሎም።+   ካብ ዓንዲ ደበና ይዛረቦም።+ ንሳቶም ከኣ መዘኻኸሪታቱን እቲ ዝሃቦም ስርዓትን ሓለዉ።+   ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ መለስካሎም።+ ይቕረ ዝበልካሎም ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣+ ግናኸ፡ ስለ ሓጥእ ግብርታቶም ቀጻዕካዮም።*+   የሆዋ ኣምላኽና ቕዱስ እዩ እሞ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽና ልዕል ኣብልዎ፡+ ኣብ ቅድሚ ቕዱስ ከረኑ እውን ስገዱ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕነ ፈደኻዮም።”
ወይ፡ “ኣምልኹ።”