ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 97:1-12

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ልዕል ኢሉ

    • “የሆዋ ነጊሱ!” (1)

    • ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ (10)

    • ንጻድቃን ብርሃን (11)

97  የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ ትተሓጐስ።+ እተን ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበለን።+   ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ኣብ ዙርያኡ ኣሎ፣+ ጽድቅን ፍትሕን መሰረት ዝፋኑ እየን።+   ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣+ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ዙርያኡ ይበልዖም።+   በርቁ ንምድሪ የብርሃ፣ ምድሪ ርእያቶ ራዕራዕ ትብል።+   ኣኽራን ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ኸም ስምዒ ይመክኩ።+   ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ፣ ኵሎም ህዝብታት ድማ ክብሩ ይርእዩ።+   ኵሎም እቶም ንጽሩብ ምስሊ ዘበለ ዜገልግሉ፡+ እቶም በቶም ከንቱ ኣማልኽቶም ዚምክሑ፡ ይሕፈሩ። ኵልኹም ኣማልኽቲ፡ ስገዱሉ።*+   ኦ የሆዋ፡ ብምኽንያት ፍርድታትካ፡ ጽዮን ሰሚዓ ባህ ይብላ፡+ ዓድታት* ይሁዳ ድማ ይሕጐሳ።+   ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ልዕል ዝበልካ ኢኻ።+ 10  ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ።+ ንሱ ህይወት* እሙናቱ ይሕሉ፣+ ካብ ኢድ እኩያት የናግፎም።+ 11  ንጻድቃን ብርሃን በሪሁሎም፣+ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ከኣ ሓጐስ ኰይኑሎም። 12  ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፣ ነቲ ቕዱስ ስሙ* እውን ኣመስግንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣዋልድ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኡ።”