ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 96:1-13

ትሕዝቶ

  • “ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ”

    • የሆዋ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦ (4)

    • ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም (5)

    • ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ኣምልኹ (9)

96  ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ።+ ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ!+   ንየሆዋ ዘምሩሉ፣ ስሙ ወድሱ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ድሕነቱ ኣበስሩ።+   ክብሩ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ዜደንቕ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ።+   የሆዋ ዓብይን ልዕሊ ዅሉ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።   ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣+የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ።+   ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡+ብርታዐን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።+   ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+   ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ፣+መባእ ሒዝኩም ናብ ኣጸዳቱ ምጹ።   ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ፣*ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ በሉ! 10  ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ “የሆዋ ነጊሱ!+ ምድሪ* ጸኒዓ እያ፡ ኣይትነቓነቕን* እያ። ንህዝብታት ብቕንዕና ኺፈርዶም* እዩ” በሉ።+ 11  ሰማያት ይተሓጐሱ፡ ምድሪ እውን ባህ ይበላ፣ባሕርን ኵሉ እቲ ዝመልኦን የንጐድጕድ፣+ 12  መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ይተሓጐስ።+ ሽዑ፡ ኵሉ ኣእዋም ዱር እልል ይበል።+ 13  ንሱ ይመጽእ ኣሎ፡* ንምድሪ ኺፈርዳ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ኣብ ቅድሚ የሆዋ እልል ይበል። ንዓለም* ብጽድቂ፡+ንህዝብታት ከኣ ብተኣማንነቱ ኺፈርድ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስለቲ ግርማ ቕድስናኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ወይ፡ “ፍርያም ምድሪ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይትብልን።”
ወይ፡ “ኺማጐተሎም።”
ወይ፡ “መጺኡ።”
ወይ፡ “ንፍርያም ምድሪ።”