ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 93:1-5

ትሕዝቶ

  • ዓብዪ ግዝኣት የሆዋ

    • “የሆዋ ነጊሱ!” (1)

    • ‘መዘኻኸሪታትካ እሙን እዩ’ (5)

93  የሆዋ ነጊሱ!+ ግርማ ለቢሱ፣ የሆዋ ብርታዐ ለቢሱ፣ ከም ዕጣቕ ተዓጢቕዎ። ምድሪ* ጸኒዓ እያ፣ ኣይትነቓነቕን* እያ።   ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣+ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።+   ኦ የሆዋ፡ ኣፍላግ ተላዒሎም፣ ኣፍላግ ተላዒሎም ደሃዮም ኣልዒሎም፣ ኣፍላግ ይልዓሉን ይሃምሙን ኣለዉ፣   ካብ ደሃይ ብዙሕ ማያት፡ ካብ ዚጻፋዕ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ፡+ የሆዋ ኣብ ላዕሊ ይብርትዕ።+   መዘኻኸሪታትካ ኣዝዩ እሙን እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ቅድስና ንቤትካ ንሓዋሩ ሰሊምዋ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፍርያም ምድሪ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይትብልን።”
ወይ፡ “ይግብኣ።”