ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 92:1-15

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ንዘለኣለም ልዕል ዝበለ እዩ

    • ዓብዪ ግብርታቱን ዓሚቝ ሓሳባቱን (5)

    • ‘ጻድቕ ከም ኦም ኪልምልም እዩ’ (12)

    • ኣረጋውያን ይለምዑ (14)

መዝሙር። ናይ መዓልቲ ሰንበት ማህሌት። 92  ንየሆዋ ምምስጋን፡+ ኦ ልዑል፡ ንስምካ ድማ ውዳሰ ምዝማር* ጽቡቕ እዩ፣   ብንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡+ ብለይቲ ኸኣ ንተኣማንነትካ ምንጋር፡   ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብዑድን፡ ጥዑም ብዝደሃዩ መሰንቆ* ጌርካ ምምስጋን ጽቡቕ እዩ።+   ኦ የሆዋ፡ ብግብርታትካስ ኣሐጒስካኒ ኢኻ፣ ብተግባራት ኣእዳውካ እልል ክብል እየ።   ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካ ኽንደይ ኰን ዓብዪ እዩ!+ ሓሳባትካ ኽንደይ ኰን ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ!+   ዘይሓስብ ሰብ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣ ዓሻ እውን ነዚ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ፦+   እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣ እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።+   ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዕል ዝበልካ ኢኻ።   እወ፡ ኦ የሆዋ፡ ንጸላእትኻ ብዓወት ርኣዮም፣ ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጠፍኡ ርአ። ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ፋሕ ኪብሉ እዮም።+ 10  ንስኻ ግና ንብርታዐይ* ከም ናይ ጐባይ ልዕል ከተብሎ ኢኻ፣ ቈርበተይ ብሓድሽ ዘይቲ ኸርሕስ እየ።+ 11  ኣዒንተይ ንጸላእተይ ብዓወት ኪርእያኦም እየን፣+ ኣእዛነይ ድማ ብዛዕባ ውድቀት እቶም ዜጥቅዑኒ እኩያት ኪሰምዓ እየን። 12  ጻድቕ ግና ከም ኦም ስየ ኺልምልም፡ ከም ቄድሮስ ሊባኖስ ከኣ ኪዓቢ እዩ።+ 13  ንሳቶም ኣብ ቤት የሆዋ እተተኽሉ እዮም፣ ኣብ ኣጸዳት ኣምላኽና ድማ ይልምልሙ።+ 14  ብግዜ እርጋን* እኳ ይለምዑ፡+ ይብርትዑን* ይሕደሱን፣+ 15  የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ኸኣ ይነግሩ። ንሱ ኸውሐይ እዩ፣+ ኣብኡ እውን ዓመጻ የልቦን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምዝያም።”
ወይ፡ “ኽራር።”
ቃ.ቃ.፡ “ንቐርነይ።”
ወይ፡ “ሽበት።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቡሓት ይዀኑን።”