ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 91:1-16

ትሕዝቶ

  • ኣብ ስቱር ቦታ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ

    • ካብ ኣፈንጣሪ ዑፍ ኬናግፈካ እዩ (3)

    • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ (4)

    • ኣሽሓት እኳ እንተ ወደቑ፡ ደሓን ክትረክብ ኢኻ (7)

    • ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ (11)

91  ኣብ ስቱር ቦታ እቲ ልዑል ዚቕመጥ፡+ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይሓድር።+   ንየሆዋ፡ “መዕቈብየይን ዕርደይን+ ዝውከሎ ኣምላኸይን ኢኻ” ኽብሎ እየ።+   ንሱስ ካብ መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ፡ ካብ ዜጥፍእ ለበዳ ኼናግፈካ እዩ።   ብመንገብገቡ ኺጋርደካ፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኸኣ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ።+ ተኣማንነቱ+ ኸም ዓብዪ ዋልታን+ ዕርድን እዩ።   ሽበራታት ለይቲ ዀነ፡+ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ ኣይክትፈርህን ኢኻ።+   ብድነ ዚቃጾ ለበዳ ዀነ፡ ብቐትሪ ዜጽንት ጥፍኣት ኣይክትፈርህን ኢኻ።   ኣብ ጐድንኻ ሽሕ፡ ኣብ የማንካ እውን ዓሰርተ ሽሕ ኪወድቁ እዮም፣ ናባኻ ግና ኣይኪቐርብን እዩ።+   ብኣዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፡ መቕጻዕቲ* እኩያት እውን ክትርኢ ኢኻ።   “የሆዋ መዕቈብየይ እዩ” ስለ ዝበልካ፡ ነቲ ልዑል መንበሪኻ* ጌርካዮ ኢኻ፣+ 10  ጥፍኣት ኣይኪረኽበካን እዩ፣+ መዓት እውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። 11  ብዅሉ መገድታትካ ኺሕልዉኻስ፡+ ንመላእኽቱ+ ኺእዝዘልካ እዩ። 12  እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡+ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።+ 13  ኣብ ልዕሊ ዘይባጽሐ ኣንበሳን መንደላይ ተመንን ክትከይድ፡ ሽደን ኣንበሳን ዓብዪ ተመንን ድማ ክትረግጽ ኢኻ።+ 14  ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ፦ “ስለ ዚፈትወኒ፡* ከናግፎ እየ።+ ስመይ ስለ ዚፈልጥ፡* ከዕቍቦ እየ።+ 15  ኪጽውዓኒ፡ ኣነ እውን ክምልሰሉ፡+ ብግዜ ጭንቂ ምስኡ ክኸውን፡+ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። 16  ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡+ ግብርታት ድሕነተይ* ከኣ ከርእዮ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መስጣ።”
ወይ፡ “ዕርድኻ፡ መዕቈቢኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ዝለገበኒ።”
ወይ፡ “ንስመይ ስለ ዚእመነሉ።”
ወይ፡ “ኣነ ዝገብሮ ድሕነት።”