ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 90:1-17

ትሕዝቶ

  • ዘለኣለማዊ ኣምላኽን ሓጺር ዝዕድሚኡ ሰብን

    • ሽሕ ዓመት ከም ትማሊ (4)

    • ሰብ 70-80 ዓመት ይነብር (10)

    • “መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና” (12)

ጸሎት ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ።+ 90  ኦ የሆዋ፡ ንውሉድ ወለዶ መንበሪና*+ ዄንካ ኢኻ።   ኣኽራን ከይተወልደ፡ ምድርን ፍርያም ምድርን እውን ከይገበርካ፡*+ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ።+   ንመዋቲ ሰብ ናብ ሓመድ ትመልሶ፣ “ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ” ኸኣ ትብል።+   ሽሕ ዓመትሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኸምታ ዝሓለፈት ትማሊ፡+ ከም ሓለዋ ለይቲ እያ።   ትዅስትሮም፡+ ከም ድቃስ ይዀኑ፣ ንግሆ ኸኣ ከምቲ ዚበቍል ሳዕሪ እዮም።+   ንግሆ ይዕምብብን ይልምልምን፣ ንምሸቱ ግና ይጽምሉን ይነቅጽን።+   ብቝጥዓኻስ ተወዲእና፣+ ብነድርኻ እውን ተሸቢርና።   ስሕተትና ኣብ ቅድሜኻ ጌርካዮ፣*+ ምስጢራትና ብብርሃን ገጽካ ተቓሊዑ።+   ብነድርኻ መዓልትታትና ይጽንቀቓ፣* ዓመታትና ድማ ከም ሕሽዅታ* ይውድኣ። 10  ዕድመና 70 ዓመት፡ ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ* ኸኣ 80 እዩ።+ ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣ ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ።+ 11  ሓይሊ ቝጥዓኻ ኺፈልጥ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ነድርኻ ኸምቲ ንዓኻ ዚግባእ ፍርሃት ዓብዪ እዩ።+ 12  ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኸነጥርስ፡ መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና።+ 13  ኦ የሆዋ፡ ተመለስ!+ እዝስ ክሳዕ መዓስ ኪቕጽል እዩ፧+ ንገላዉኻ ደንግጸሎም።+ 14  ኵለን መዓልትታትና እልል ክንብልን ክንሕጐስንሲ፡+ ንግሆ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጽግበና።+ 15  ብመጠን እተን ዘጽበብካልና መዓልትታት፡+ ከም ብዝሒ እተን መዓት ዝረኣናለን ዓመታት ኣሐጕሰና።+ 16  ገላዉኻ፡ ተግባርካ ይርኣዩ፣ ደቆም ድማ፡ ግርማኻ ይርኣዩ።+ 17  ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።* እወ፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዕቈቢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብጻዕሪ ሕርሲ ኸይወለድካ።”
ወይ፡ “ስሕተትና ትፈልጦ ኢኻ።”
ወይ፡ “ህይወትና ትጽንቀቕ።”
ወይ፡ “ኡፍታ።”
ወይ፡ “ብምኽንያት ፍሉይ ብርታዐ።”
ወይ፡ “ኣጽንዓልና።”
ወይ፡ “ኣጽንዓልና።”