ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 89:1-52

ትሕዝቶ

  • ብተኣማንነት ብዛዕባ ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ እተዘመረ መዝሙር

    • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን (3)

    • ዘርኢ ዳዊት ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ (4)

    • ቅቡእ ኣምላኽ፡ ንዕኡ “ኣቦይ” ኢሉ ኺጽውዖ እዩ (26)

    • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን ርግጽ እዩ (34-37)

    • ሰብ ካብ መቓብር ኬምልጥ ኣይክእልን (48)

መስኪል።* ናይ ኤታን+ እቲ እዝራሓዊ። 89  ብተኣማንነት ብዛዕባ ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም ክዝምር እየ። ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ ተኣማንነትካ ኸፍልጥ እየ።   ከመይሲ፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዘለኣለም ኪህነጽ* እዩ፣+ንስኻ ድማ ተኣማንነትካ ኣብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ” ኢለ ኣለኹ።   “ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣትየ፣+ንዳዊት ጊልያይ ከምዚ ኢለ ምሒለሉ፦+   ‘ንዘርእኻ ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ፣+ንዝፋንካ እውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንጾ እየ።’”+ (ሴላ)   ኦ የሆዋ፡ ሰማያት ድንቂ ተግባራትካ፡እወ፡ ተኣማንነትካ ኣብ ጉባኤ ቕዱሳት ይውድስ።   ኣብ ሰማያትሲ ምስ የሆዋ ኺወዳደር ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ካብ ደቂ ኣምላኽከ+ ኸም የሆዋ ዝበለ መን ኣሎ፧   ኣምላኽ ኣብ ጕጅለ* ቕዱሳት ይኽበር* እዩ፣+ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ፡ ዓብይን ዜፍርህን እዩ።+   ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ኦ ያህ፡ ከማኻ ሓያል መን እዩ፧+ ተኣማንነትካ ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።+   ንዚናወጽ ባሕሪ ትገዝኦ፣+ማዕበላቱ ምስ ተላዕለ፡ ንስኻ ተህድኦ።+ 10  ንረሃብ+ ከም ቅቱል ጌርካ ሓምሺሽካዮ።+ ብሓያል ቅልጽምካ ንጸላእትኻ ፋሕ ኣቢልካዮም።+ 11  ሰማያት ናትካ እዩ፡ ምድሪ እውን ናትካ እያ፣+ነታ ፍርያም ምድሪ ምስቲ ንዓኣ ዚመልኣ+ ንስኻ ሰሪትካያ። 12  ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጢርካዮ፣ታቦርን+ ሄርሞንን+ ንስምካ ብታሕጓስ ይውድሱ። 13  ቅልጽምካ ሓያል እያ፣+ኢድካ ብርትዕቲ እያ፣+የማነይቲ ኢድካ ልዕል ዝበለት እያ።+ 14  ጽድቅን ፍትሕን መሰረት ዝፋንካ እየን፣+ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣብ ቅድሜኻ ይቘማ።+ 15  እቶም እልልታ ዚፈልጡ ህዝቢ ሕጉሳት እዮም።+ ኦ የሆዋ፡ ንሳቶም ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። 16  ምሉእ መዓልቲ ብስምካ ይሕጐሱ፣ብጽድቅኻ እውን ልዕል ይብሉ። 17  ንስኻስ ክብሪ ብርታዐኦም ኢኻ፣+ብስምረትካ ድማ ብርታዐና* ልዕል ይብል እዩ።+ 18  ዋልታናስ ናይ የሆዋ እዩ፣ንጉስና እውን ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።+ 19  በቲ ግዜ እቲ፡ ንእሙናትካ ብራእይ ከምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፦ “ንጅግና ብርታዐ ሂበ፣+ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ልዕል ኣቢለ።+ 20  ንዳዊት ጊልያይ ረኺበዮ፣+ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢአዮ።+ 21  ኢደይ ክትድግፎ፡+ቅልጽመይ ከኣ ከተበርትዖ እያ። 22  ጸላኢ ኣይኬገብሮን፡ዓማጺ ድማ ኣይኪጭቍኖን እዩ።+ 23  ንተጻረርቱ ኻብ ቅድሚኡ ኽሕምሽሾም፡+ነቶም ዚጸልእዎ እውን ክቐትሎም እየ።+ 24  ተኣማንነተይን ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይን ምስኡ እየን፣+ብስመይ ድማ ብርታዐኡ* ልዕል ኪብል እዩ። 25  ኢዱ* ኣብ ልዕሊ ባሕሪ፡የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ከንብር እየ።+ 26  ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ ኣቦይ፡ኣምላኸይን ከውሒ ድሕነተይን ኢኻ’ ኢሉ ኺጽውዓኒ እዩ።+ 27  ኣነ እውን በዅሪ፡+ካብ ነገስታት ምድሪ ዝለዓለ ኽገብሮ እየ።+ 28  ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕሪ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፣+ዝኣቶኹሉ ኺዳን ከኣ ከቶ ኣይኪፈርስን እዩ።+ 29  ንዘርኡ ንዘለኣለም ክስርቶ፡ንዝፋኑ እውን ከም ሰማያት ነባሪ ኽገብሮ እየ።+ 30  ደቁ ሕገይ እንተ ሓዲጎም፡ብድንጋገታተይ* ከኣ እንተ ዘይተመላሊሶም፡ 31  ስርዓታተይ እንተ ኣፍሪሶም፡ትእዛዛተይ እውን እንተ ዘይሓልዮም፡ 32  ሽዑ፡ ንዘይተኣዛዝነቶም* ብሻቦጥ፡+ንስሕተቶም ድማ ብመግረፍቲ ክቐጽዕ እየ። 33  ንዕኡ ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ ግና ከቶ ኣይክሓድግን፡+እቲ ዝሃብክዎ ተስፋ* እውን ኣይክጠልምን እየ። 34  ኪዳነይ ኣይከፍርስን፡+ከናፍረይ እተዛረቦ ኸኣ ኣይክልውጥን እየ።+ 35  ብቕድስናይ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምሒለ እየ፣ንዳዊት ኣይክሕስዎን እየ።+ 36  ዘርኡ ንዘለኣለም ኪነብር፡+ዝፋኑ እውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።+ 37  ከም ወርሒ፡ ከምታ ኣብ ሰማያት ዘላ እምንቲ ምስክር፡ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።” (ሴላ) 38  ንስኻ ግና ደርቢኻዮን ንዒቕካዮን፣+ንቕቡእካ ኸኣ ተቘጢዕካዮ። 39  ንኺዳን ጊልያኻ ንዒቕካዮ፣ንዘውዱ ናብ ምድሪ ብምድርባይ ኣርኪስካዮ። 40  ኵሉ መናድቑ* ኣፍሪስካ፣ዕርድታቱ ድማ ኣዕኒኻ። 41  ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ዘሚቶምዎ፣ንጐረባብቱ መጻረፊ ዀይኑ።+ 42  ንተጻረርቱ ኣዐዊትካዮም፣*+ንዅሎም ጸላእቱ ኸኣ ኣሐጒስካዮም። 43  ንሰይፉ መሊስካያ፣ኣብ ውግእ እውን ኣብ መትከሉ ኣየቘምካዮን። 44  ንግርማኡ ኣጥፊእካዮ፣ንዝፋኑ ድማ ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ። 45  መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፣ብሕፍረት ከኣ ኣጐልቢብካዮ። (ሴላ) 46  ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ እትሕባእ፧ ንዘለኣለምዶ፧+ ነድርኻስ ከም ሓዊ ብቐጻሊዶ ኺነድድ እዩ፧ 47  ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና ዘክር!+ ንዅሎም ሰባት ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮም፧ 48  ሞት ከይረኣየ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ሰብ መን ኣሎ፧+ ካብ ሓይሊ መቓብርከ* ንርእሱ* ኼድሕን ይኽእልዶ፧ (ሴላ) 49  ኦ የሆዋ፡ እቲ ንዳዊት ብተኣማንነትካ ዝመሓልካሉ፡ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕሪ ዝገበርካዮ ቐዳሞት ግብርታትካ ኣበይ ኣሎ፧+ 50  ኦ የሆዋ፡ ንገላዉኻ ዜባጭዉሎም ባጫ፡ኣነ እውን ባጫ ዅሎም ህዝብታት ከም ዝጸውር* ዘክር፣ 51  ኦ የሆዋ፡ ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጸርፉ፡ንዅሉ ኣሰር ቅቡእካ ኸመይ ከም ዚጸርፉ ዘክር። 52  የሆዋ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን፡ ኣሜን።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኪነብር።”
ወይ፡ “ኣኼባ።”
ወይ፡ “ይፍራህ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርንና።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርኑ።”
ወይ፡ “ስልጣኑ።”
ወይ፡ “ብፍርድታተይ።”
ወይ፡ “ንዕልወቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ተኣማንነተይ።”
ወይ፡ “ዚዕቈበሉ መናድቕ።”
ቃ.ቃ.፡ “የማነይቲ ኢድ እቶም ተጻረርቱ ልዕል ኣቢልካ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፈይ ከም ዝጸውር።”