ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 88:1-18

ትሕዝቶ

  • ካብ ሞት ንምምላጥ እተጸለየ ጸሎት

    • ‘ህይወተይ ናብ መቓብር ቀሪባ ኣላ’ (3)

    • ‘ንግሆ ንግሆ ናባኻ እጽሊ እየ’ (13)

ማህሌት። ናይ ደቂ ቆራሕ መዝሙር።+ ንኣላዪ፣ ብቕዲ ማሓላት* እናተቓባበልካ ዚዝመር። ናይ ሄማን+ እቲ እዝራሓዊ መስኪል።* 88  ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ፡+ ብመዓልቲ አእዊ፡ ብለይቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ እቐርብ ኣለኹ።+   ጸሎተይ ናባኻ ይብጻሕ፣+ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ኣድንን።*+   ነፍሰይሲ* መዓት ጸጊባ፡+ ህይወተይ እውን ናብ መቓብር* ቀሪባ ኣላ።+   ምስቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ተቘጺረ፣+ ረዳኢ ኣልቦ* ሰብኣይ ኰይነ፣+   ከምቶም ደጊም ዘይትዝክሮም፡ ካብ ሓልዮትካ* እተፈልዩ፡ ኣብ መቓብር እውን በጥ ዝበሉ ቕቱላት፡ ኣብ መንጎ ምዉታት ተሓዲገ።   ኣብ ዝተሓተ ጕድጓድ፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ዓብዪ መዓሙቝ ኣንቢርካኒ።   ነድርኻ ይኸብደኒ ኣሎ፣+ ብዚጻፋዕ ማዕበላትካ ውሒጥካኒ። (ሴላ)   ንፈለጥተይ ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+ ኣባታቶም ፍንፉን ጌርካኒ። ተቐርቂረ፡ ከምልጥ እውን ኣይክእልን እየ።   ኣዒንተይ ብጸበባይ ደኺመን ኣለዋ።+ ኦ የሆዋ፡ ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ ኣለኹ፣+ ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ። 10  ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧ ብሞት እተሰነፉኸ ተንሲኦምዶ ይውድሱኻ እዮም፧+ (ሴላ) 11  ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣብ መቓብር፡ ተኣማንነትካ እውን ኣብ ቦታ ጥፍኣትዶ* ይንገር እዩ፧ 12  ተኣምራትካ ኣብ ጸልማት፡ ወይስ ጽድቅኻ ኣብ ምድሪ ርሳዐዶ ይፍለጥ እዩ፧+ 13  ኦ የሆዋ፡ ኣነ ግና ናባኻ አእዊ ኣለኹ፣+ ንግሆ ንግሆ ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ይቐርብ ኣሎ።+ 14  ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ትድርብየኒ፧*+ ስለምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ፧+ 15  ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ውጹዕን ንምጥፋእ ዝቐረብኩን እየ፣+ በቲ ኺወርደኒ ዝፈቐድካዮ ኽፉእ ነገር ደንዚዘ ኣለኹ። 16  እቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ውሒጡኒ፡+ ሽበራታትካ እውን ኣጥፊኡኒ ኣሎ። 17  ምሉእ መዓልቲ ኸም ማያት ከቢቡኒ፡ ብዅሉ ሸነኽ* ድማ ዓጽዩኒ ኣሎ። 18  ንፈተውተይን ንብጾተይን ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+ ጸልማት ከኣ ብጻየይ ኰይኑ ኣሎ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ናብ ኣውያተይ ደኒንካ ስማዕ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ብርታዐ ኸም ዘይብሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድካ።”
ወይ፡ “ኣብ ኣባዶንዶ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ እትድርብያ፧”
ወይ፡ “ኵሉ ብሓንሳእ” ኪኸውን ይኽእል።