ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 85:1-13

ትሕዝቶ

  • ኪምለሱ እተጸለየ ጸሎት

    • ኣምላኽ ንእሙናቱ ሰላም ኪዛረቦም እዩ (8)

    • ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪራኸባ እየን (10)

ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። 85  ኦ የሆዋ፡ ንምድርኻ ሞገስ ኣርኢኻያ፣+ነቶም ካብ ያእቆብ ናብ ምርኮ እተወስዱ፡ መሊስካዮም።+   ስሕተት ህዝብኻ ሓዲግካ፣*ኵሉ ሓጢኣቶም እውን ይቕረ ኢልካ።+ (ሴላ)   ኵሉ ነድርኻ ገቲእካዮ፣ካብ ረስኒ ቝጥዓኻ ድማ ተመሊስካ።+   ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ ምለሰና፣ጓሂኻ ኻባና ኣልግሶ።+   ንዘለኣለምዶ ብኣና ኽትንድር ኢኻ፧+ ንውሉድ ወለዶዶ ኽትቍጥዓና ኢኻ፧   ህዝብኻ ብኣኻ ምእንቲ ኺሕጐሱስ፡መሊስካዶ ህያዋን ኣይክትገብረናን ኢኻ፧+   ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት ኣፍቅረና፣ድሕነትካ እውን ሃበና።+   ንሱ ንህዝቡን ንእሙናቱን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡+ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ፣ንሳቶም ደኣ ተመሊሶም እምብዛ ብርእሶም ኣይተኣማመኑ።+   ክብሩ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኺነብርሲ፡ድሕነቱ ነቶም ዚፈርህዎ ብርግጽ ቀረባኦም እዩ።+ 10  ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኪራኸባ፡ጽድቅን ሰላምን እውን ኪሳዓዓማ እየን።+ 11  ተኣማንነት ካብ ምድሪ ኽትበቍል፡ጽድቂ ድማ ካብ ሰማያት ኣንቈልቊላ ኽትጥምት እያ።+ 12  እወ፡ የሆዋ ጽቡቕ ዘበለ ኺህበና እዩ፣+ምድርና ኸኣ ፍሪኣ ኽትህብ እያ።+ 13  ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡+ንስጕምትታቱ እውን መገዲ ኸተውጽእ እያ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኸዲንካ።”