ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 84:1-12

ትሕዝቶ

  • ነቲ ዓብዪ ማሕደር ኣምላኽ ሃረር ምባል

    • ሓደ ሌዋዊ ኸም ዑፍ ኪኸውን ይምነ (3)

    • “ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ” (10)

    • “ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ” (11)

ንኣላዪ፣ ብጊቲት።* ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። 84  ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ዓብዪ ማሕደርካ ኽንደይ ኰን ይፍተወካ!+   ንኣጸዳት የሆዋ ሃረር እብሎ ኣለኹ፣* እወ፡ ብናፍቖት ተወዲአ ኣለኹ።+ ልበይን ስጋይን ነቲ ህያው ኣምላኽ እልል ይብለሉ ኣሎ።   ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ መሰውኢኻ ዑፍ እኳ ቤት ረኺባ፣ ለዃዂቶ እውን ጨቓዊታ እተንብረሉ ሰፈር ረኺባ!   ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ሕጉሳት እዮም!+ ወትሩ ይውድሱኻ።+ (ሴላ)   ብርታዐኦም ካባኻ ዚረኽቡ፡+ ልቦም ናብቲ ጐደናታት ዚገብሩ፡ ሕጉሳት እዮም።   ብስንጭሮ ባኻ* ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ቦታ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም ኣዝመራ ኸኣ ብበረኸት ይኸድኖ።*   ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣+ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይርኣዩ።   ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። (ሴላ)   ኣታ ዋልታናን ኣምላኽናን፡ ርአ፣*+ ገጽ ቅቡእካ እውን ጠምት።+ 10  ካብ ሽሕ ኣብ ካልእሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሓይሽ!+ ኣብ ድንኳናት እኩያት ካብ ምቕማጥሲ፡ ኣብ ድርኵዂት ቤት ኣምላኸይ ደው ምባል እመርጽ። 11  የሆዋ ኣምላኽሲ ጸሓይን+ ዋልታን እዩ፣+ ሞገስን ክብርን ከኣ ይህብ። የሆዋ ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ጽቡቕ ዘበለ ኣይከልኦምን እዩ።+ 12  ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ብኣኻ ዚእመን* ሰብ ሕጉስ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ሃረር ትብሎ ኣላ።”
ወይ፡ “ብስንጭሮ ቘጥቋጥ ባኻ።”
ወይ፡ “መምህር ከኣ ብበረኸት ይኽደን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ዋልታና ርአ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዚውከል።”