ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 83:1-18

ትሕዝቶ

  • ምስ ጸላእቲ ምስ ተፋጠጠ ዘቕረቦ ጸሎት

    • “ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል” (1)

    • ንጸላእቲ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ ግበሮም (13)

    • ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ (18)

ማህሌት። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 83  ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፣+ ኦ ኣምላኽ፡ ትም ኣይትበል፡* ኣይተጽቅጥ።   እንሆ፡ ጸላእትኻስ ይጭድሩ፡+ እቶም ዚጸልኡኻ እውን ይዕበዩ* ኣለዉ።   ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትሕልዎም* ከኣ ውዲት ይኣልሙሎም።   “ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ብደረጃ ህዝቢ ነጥፍኣዮም” ይብሉ ኣለዉ።+   ሓቢሮም ስልቲ ይምህዙ፡* ኣንጻርካ ድማ ኪዳን ተኣታትዮም ኣለዉ፡+   ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን+ ሃግራውያንን፡+   ጌባልን ዓሞንን+ ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም+ ምስ ነበርቲ ጢሮስ።+   ኣሶር+ እውን ሓቢርዎም፣ ንደቂ ሎጥ ድማ ደጊፎምዎም።*+ (ሴላ)   ከምቲ ንሚድያን ዝገበርካዮ፡+ ከምቲ ንሲሰራን ንያቢንን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።+ 10  ንሳቶም ኣብ ዔን-ዶር ጠፍኡ፣+ ንምድሪ ድማ ድዅዒ ዀንዋ። 11  ንልዑላኖም ከም ዖሬብን ዝኤብን፡+ ንመሳፍንቶም* ከኣ ከም ዜባሕን ጻልሙናን ግበሮም።+ 12  ከመይሲ፡ “ነታ ኣምላኽ ዚነብረላ ምድሪ ንረስተያ” ኢሎም እዮም። 13  ኦ ኣምላኸይ፡ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ፡+ ብንፋስ ከም እተበቈጸ ሓሰር ግበሮም። 14  ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ ከምቲ ሃልሃልታ ንኣኽራን ዜሕርሮ፡+ 15  ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡+ ብብርቱዕ ንፋስካ ድማ ኣሸብሮም።+ 16  ኦ የሆዋ፡ ንስምካ ምእንቲ ኺደልይዎስ፡ ገጾም ብውርደት ኣጐልብብ።* 17  ንዘለኣለም ይሕፈሩን ይሸበሩን፣ ይነውሩን ይጥፍኡን፣ 18  ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡+ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓባስ ኣይትኹን።”
ወይ፡ “ርእሶም የልዕሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “እትሓብኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሓደ ልቢ ይማኸሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽም ኰይኖምዎም።”
ወይ፡ “ንመራሕቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ምላእ።”