ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 82:1-8

ትሕዝቶ

  • ቅኑዕ ፍርዲ ንምርካብ ዝቐረበ ጻውዒት

    • ኣምላኽ ኣብ መንጎ “ኣማልኽቲ” ይፈርድ (1)

    • “ንትሑትን ንዘኽታምን ተጣበቑሎም” (3)

    • “ኣማልኽቲ ኢኹም” (6)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 82  ኣምላኽ ኣብ መለኮታዊ ኣኼባ* ይቐውም፣+ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ* ኸምዚ ኢሉ ይፈርድ፦+   “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብዓመጻ እትፈርዱ፡+ ንእኩያትሲ እተዳልዉ፧+ (ሴላ)   ንትሑትን ንዘኽታምን* ተጣበቑሎም።*+ ንረዳኢ ኣልቦን ንነዳይን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።+   ንትሑትን ንድኻን ኣናግፍዎም፣ ካብ ኢድ እኩያት ኣድሕንዎም።”   ኣይፈልጡን፡ ኣይርድኡን እውን እዮም፣+ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ ኣለዉ፣ ኵሉ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።+   “ኣነ፡ ‘ኣማልኽቲ* ኢኹም፣+ ኵላትኩም ደቂ እቲ ልዑል ኢኹም።   ግናኸ፡ ከም ሰብ ክትሞቱ፡+ ከም ዝዀነ መስፍን እውን ክትወድቁ ኢኹም’ ኢለ።”+   ኦ ኣምላኽ፡ ኵሎም ኣህዛብ ናትካ እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ንምድሪ ፍረዳ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ኣኼባ እቲ መለኮት (ኣምላኽ)።”
ወይ፡ “ከም ኣምላኽ ዝበሉ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉን።”
ወይ፡ “ፍረዱሎም።”
ወይ፡ “ከም ኣምላኽ ዝበልኩም።”