ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 81:1-16

ትሕዝቶ

  • እዙዛት ኪዀኑ እተዋህበ ምሕጽንታ

    • ጓኖት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ (9)

    • ‘ኣየ፡ እንተ ትሰምዑኒ’ (13)

ንኣላዪ፣ ብጊቲት።* ናይ ኣሳፍ።+ 81  ንኣምላኽ፡ ነቲ ብርታዐና፡ እልል በሉሉ።+ ንኣምላኽ ያእቆብ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።   ሙዚቃ ጀምሩ፡ ከበሮን ጥዑም መሰንቆ* ምስ በገናን ውሰዱ።   ብሰርቂ ወርሒ፡+ ብምልእቲ ወርሒ፡ ንመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።+   እዝስ ናይ እስራኤል ስርዓት፡ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ብይን እዩ።+   ንሱ ኣንጻር ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፡+ ነዚ፡ ንዮሴፍ መዘኻኸሪ ኪኸውን ኣቘሞ።+ ዘይፈልጦ ድምጺ* ኸምዚ ኺብል ሰማዕኩ፦   “ካብ መንኵቡ ጾር ኣልዓልኩ፣+ ኣእዳዉ ኻብ ከፈር ሓራ ዀና።   ብጭንቅኻ ኣእወኻ፡ ኣነ እውን ኣናገፍኩኻ፣+ ካብ ነጐድጓዳዊ ደበና* መለስኩልካ።+ ኣብ ማይ መሪባ* ፈተንኩኻ።+ (ሴላ)   ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ኣነ ድማ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ። ኦ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ!+   ኣብ መንጎኻ፡ ካልእ ኣምላኽ ኣይኪኸውንን፡ ንጓና ኣምላኽ እውን ኣይክትሰግድን ኢኻ።+ 10  ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽካ እየ።+ ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነ ድማ ክመልኦ እየ።+ 11  ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ከኣ ኪግዝኣኒ ኣይፈተወን።+ 12  ስለዚ፡ ንንቕጽና ልቦም ኪስዕቡ ሓደግክዎም፣ ቅኑዕ ዝመሰሎም ገበሩ።*+ 13  ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ!+ ኣየ፡ እስራኤል ብመገድታተይ እንተ ዚመላለስ!+ 14  ንጸላእቶም ቀልጢፈ መንበርከኽክዎም፣ ኢደይ ኣንጻር ተጻረርቶም ምገበርኩ።+ 15  እቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ፡ መወዳእታኦም* ዘለኣለማዊ ኪኸውን እዩ። 16  ንሱ ግና ብሉጽ* ስርናይ ኪምግበካ፡*+ ካብ ከውሒ ኸኣ መዓር ኬጽግበካ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ክራር።”
ወይ፡ “ቛንቋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ስዉር ቦታ ነጕዲ ዀይነ።”
ትርጉሙ፡ “ቈየቛ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብምኽሮም ተመላለሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ግዜኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪምግቦ።” ማለት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪምግቦ።