ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 79:1-13

ትሕዝቶ

  • ኣህዛብ ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ወረርዎም እተጸለየ ጸሎት

    • “መጻረፊ ዄንና” (4)

    • ‘ምእንቲ ስምካ ኢልካ ርድኣና’ (9)

    • “ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም” (12)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 79  ኦ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ንርስትኻ ወሪሮምዎ፣+ ንቕድስቲ ቤተ መቕደስካ ኣርኪሶምዋ፣+ ንየሩሳሌም ናብ ኵምራ ዑናታት ቀዪሮምዋ።+   ምግቢ ኪኸውንሲ ሬሳ ገላዉኻ ንኣዕዋፍ ሰማያት፡ ስጋ እሙናትካ ድማ ንኣራዊት ምድሪ ሂቦምዎ።+   ደሞም ከም ማይ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣፍሲሶምዎ፣ ዚቐብሮም እውን ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+   ንጐረባብትና መጻረፊ ዄንና፣+ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ የላግጹልናን የባጭዉልናን ኣለዉ።   ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ኽትንድር፧ ንዘለኣለምዶ፧+ ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኸም ሓዊ ዚነድድ፧+   ነድርኻ ኣብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ ኣብተን ስምካ ዘይጽውዓ መንግስትታት ክዖ።+   ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፣ ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+   ብስሕተት ኣቦታትና ተሓተትቲ ኣይትግበረና።+ ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ ቀልጢፍካ ምሕረትካ ኣርእየና።+   ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡+ ምእንቲ እቲ ኽቡር ስምካ ኢልካ ርድኣና፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትና እውን ይቕረ በለልና።*+ 10  ስለምንታይ ኣህዛብ፡ “ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፧” ዚብሉ፧+ እቲ ዝፈሰሰ ደም ገላዉኻ ኸም እተፈድየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይፈለጥ።+ 11  እህህታ እሱር ስማዕ።+ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ* ጌርካ ነቶም ንሞት እተፈርዶም* ኣድሕኖም።*+ 12  ኦ የሆዋ፡ ስለቲ ዘባጨዉልካ ባጫ፡+ ንጐረባብትና ሸውዓተ ዕጽፊ ፍደዮም።+ 13  ሽዑ፡ ንሕና ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሰኻን+ ንዘለኣለም ከነመስግነካ ኢና፣ ውዳሰኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኽንነግር ኢና።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክደነልና።”
ቃ.ቃ.፡ “ቕልጽምካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ ሞት።”
ወይ፡ “ናጻ ግበሮም” ኪኸውን ይኽእል።