ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 78:1-72

ትሕዝቶ

  • ክንክን ኣምላኽን ጕድለት እምነት እስራኤልን

    • ንዚመጽእ ወለዶ ንገርዎም (2-8)

    • “ብኣምላኽ ኣይኣመኑን” (22)

    • “እኽሊ ሰማይ” (24)

    • ‘ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣሕዘንዎ’ (41)

    • ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ (43-55)

    • ‘ንኣምላኽ ይብድህዎ ነበሩ’ (56)

መስኪል።* ናይ ኣሳፍ።+ 78  ኦ ህዝበይ፡ ንሕገይ* ጽን በሎ፣እዝንኻ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።   ኣፈይ ብምስላ ክኸፍት እየ። ናይ ቀደም ሕንቅሕንቅሊተያት ክብል እየ።+   እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡ኣቦታትና እውን ዘዘንተዉልና፡+   ካብ ደቆም ኣይክንሓብኦን ኢና፣እቲ ዚንኣድ ግብርታት የሆዋን ብርታዐኡን፡+እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት፡+ንዚመጽእ ወለዶ ኸነዘንትዎ ኢና።+   ንሱ ኣብ ያእቆብ መዘኻኸሪ ኣቘመ፣ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ገበረ። ነዚ ንደቆም ኬፍልጡ ድማ፡ንኣቦታትና ኣዘዞም።+   በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡እቶም ገና ዚውለዱ ደቂ፡ ነዚ ይፈልጥዎ።+ ንሳቶም ድማ ብተራኦም ንደቆም የዘንትውዎ።+   ሽዑ፡ እዚኣቶም እምንቶኦም ኣብ ኣምላኽ ይገብሩ። ግብርታት ኣምላኽ ኣይርስዑን፣+ትእዛዛቱ እውን ይሕልዉ።+   ሽዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ከምቲ ነቓጽን ዓላውን ወለዶ፡+ከምቲ ልቡ ዘይጸንዐ፡*+መንፈሱ ድማ ንኣምላኽ እሙን ዘይነበረ ወለዶ ኣይኰኑን።   ደቂ ኤፍሬም ቀስቲ ዓጢቖም ነበሩ፣ግናኸ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣንሰሓቡ። 10  ኪዳን ኣምላኽ ኣይሓለዉን፣+ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ።+ 11  ንግብርታቱን+ነቲ ዘርኣዮም ዜደንቕ ተግባራቱን እውን ረስዕዎ።+ 12  ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፡+ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ዞባ ጾዓን ድንቂ ነገራት ገበረ።+ 13  ኬሕልፎም ኢሉ ባሕሪ መቐለ፣ማያት ድማ ከም ግድብ* ኣቘመ።+ 14  መዓልቲ ብደበና፡ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።+ 15  ኣብ በረኻ፡ ኣኻውሕ ጨደደ፣ከም ካብ መዓሙቝ ማያት ከኣ ክሳዕ ዚረውዩ ኣስተዮም።+ 16  ካብ ከውሒ ወሓይዝ ኣውጽአ፣ማያት ድማ ከም ኣፍላግ ኣውሓዘ።+ 17  ንሳቶም ግና ኣብ ምድረ በዳ ኻብቲ ልዑል ብምዕላው፡ንዕኡ በደልዎ።+ 18  ዝሃረፍዎ ምግቢ* ብምሕታት፡ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ።+ 19  “ኣምላኽዶ ኣብ በረኻ መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧”+ ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽ ተዛረቡ። 20  ማያት ኪፍልፍልን ወሓይዝ ኪውሕዝንሲ፡እንሆ፡ ንሱ ኸውሒ ወቕዐ።+ “እንጌራኸ ኺህበናዶ ይኽእል እዩ፧ ወይስ ንህዝቡ ስጋዶ ኼዳሉ ይኽእል እዩ፧”+ 21  የሆዋ ምስ ሰምዖም፡ ተቘጥዐ፣+ኣብ ያእቆብ ሓዊ+ ነደደ፣ቍጥዓኡ እውን ኣብ እስራኤል ተባርዐ፣+ 22  ከመይሲ፡ ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፣+ኬድሕኖም ከም ዚኽእል እውን ብእኡ ኣይተኣመኑን።* 23  ስለዚ፡ ንሱ ኣብ ላዕሊ ድብንብን ንዚብል ሰማያት ኣዘዞ፣መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ። 24  ኪበልዑስ ማና ኣዝነመሎም፣እኽሊ ሰማይ እውን ሃቦም።+ 25  ሰባት እንጌራ ሓያላት* በልዑ፣+ክሳዕ ዚጸግቡ ድማ ዚኣክል ሃቦም።+ 26  ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማያት ኣለዓዓለ፣ብሓይሉ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣንፈሰ።+ 27  ስጋ ኸኣ ከም ሓመድ፡ኣዕዋፍ እውን ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝነመሎም። 28  ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡ኣብ ዙርያ ድንኳናቱ ኣርገፈሎም። 29  በልዑን ኣመና ጸገቡን፣ከም ትምኒቶም እውን ሃቦም።+ 30  ህርፋኖም ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምርዋዮም ግና፡ምግቦም ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡ 31  ቍጥዓ ኣምላኽ ኣባታቶም ነደደ።+ ንብርቱዓቶም ከኣ ቀተሎም፣+ንኣጕባዝ እስራኤል እውን ኣውደቖም። 32  እዚ ገይሩ ኽነሱ ግና መሊሶም ሓጥኡ፣+በቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ድማ ኣይኣመኑን።+ 33  ስለዚ፡ ንመዓልትታቶም ከም ትንፋስ፡ንዓመታቶም እውን ብሃንደበታዊ ሽበራ ወድአን።+ 34  ኪቐትሎም ከሎ ግና፡ ይደልይዎ ነበሩ፣+ተመሊሶም ንኣምላኽ ይደልይዎ ነበሩ። 35  ኣምላኽ ከውሖም ምዃኑ፡+እቲ ልዑል ኣምላኽ እውን ተበጃዊኦም* ምዃኑ ዘከሩ።+ 36  ግናኸ፡ ብኣፎም ኬታልልዎ ፈተኑ፣ብልሳኖም እውን ሓሰውዎ። 37  ልቦም ምስኡ ኣይጸንዐን፣+ንኺዳኑ እውን እሙናት ኣይነበሩን።+ 38  ንሱ ግና ይምሕሮም ነበረ፣+ስሕተቶም ይሓድገሎም* ነበረ፡ ኣየጥፍኦምን እውን።+ ንዅሉ ነድሩ ኣብ ክንዲ ዜለዓዕሎ፡ንቝጥዓኡ ብዙሕ ሳዕ ገትኦ።+ 39  ከመይሲ፡ ስጋ ምዃኖም፡ነፊሱ ዚሓልፍ እሞ ዘይምለስ ንፋስ ምዃኖም ዘከረ።*+ 40  ኣብ በረኻስ ክንደይ ሳዕ ኰን እዮም ካብኡ ዝዓለዉ!+ ኣብ ምድረ በዳ እውን ኣጕሃይዎ!+ 41  ደጋጊሞም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣+ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።* 42  ሓይሉ* ኣይዘከሩን፣ካብ ተጻራሪ ዘናገፎም* መዓልቲ እውን ኣይዘከሩን።+ 43  ትእምርትታቱ ኣብ ግብጺ፡+ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ ዞባ ጾዓን ከም ዝገበረ፡ 44  ካብ ወሓይዞም ከይሰትዩስ፡ንመትረባት ኒል ናብ ደም ከም ዝለወጦ ኣይዘከሩን።+ 45  ኪበልዕዎም ዕስለታት ጽንጽያ ኸልቢ፡+ኬጥፍኣኦም ድማ ቍርዖብ ሰደደሎም።+ 46  እኽሎም ንበላዒ ኣንበጣ፡ፍረ ጻዕሮም ከኣ ንዕስለ ኣንበጣ ሃቦ።+ 47  ንተኽሊ ወይኖም ብበረድ፡+ንኣእዋም ሳግላኦም ድማ ብኣእማን በረድ ኣጥፍአ። 48  መጽዓኛኦም ንበረድ፡+ማሎም ከኣ ንበርቂ* ኣሕሊፉ ሃበን። 49  ዚነድድ ኵራኡንነድርን ቍጥዓን ጭንቅንመዓት ዜምጽኡ ጭፍራ መላእኽትን ኣውረደሎም። 50  ንቝጥዓኡ መገዲ ጸረገሉ። ካብ ሞት ኣይነሓፎምን፣*ንለበዳ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም።* 51  ንዅሎም በዅሪ ግብጺ፡ነቶም መጀመርታ ስብእነቶም ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም።+ 52  ንህዝቡ ድማ ከም ኣባጊዕ ኣውጽኦም፣+ኣብ በረኻ እውን ከም መጓሰ መርሖም። 53   ብደሓን ከኣ መርሖም፡ኣይፈርሁን እውን፣+ባሕሪ ንጸላእቶም ከደኖም።+ 54  ናብታ ቕድስቲ ሃገሩ፡+ናብዚ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኣኽራን ኣምጽኦም።+ 55  ንኣህዛብ ድማ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣+ብገመድ መለክዒ ገይሩ ርስቲ ብዕጫ ሃቦም፣+ንነገዳት እስራኤል ኣብ ኣባይቶም ኣስፈሮም።+ 56  ግናኸ፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ይፍትንዎ፡ ካብኡ እውን ይዓልዉ ነበሩ፣+ናብ መዘኻኸሪታቱ ኸኣ ኣየቕለቡን።+ 57   ኣላገሱ፡ ከም ኣቦታቶም እውን ጠለምቲ ነበሩ።+ ከም ዝዘለቐ ቐስቲ ዘየተኣማምኑ ዀኑ።+ 58  ብበረኽቶም ኣዀረይዎ፣+ብቕሩጽ ምስልታቶም ድማ ኣነደርዎ።*+ 59  ኣምላኽ ከኣ ሰሚዑ ተቘጥዐ፣+ንእስራኤል እውን ፈጺሙ ነዓቖ። 60  ነቲ ኣብ ሺሎ ዘሎ ማሕደር፡+ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዚሓድረሉ ድንኳን ከኣ ሓደጎ።+ 61  ንምልክት ብርታዐኡ ናብ ምርኮ ኪኸይድ ፈቐደ፣ንግርማኡ እውን ኣብ ኢድ ተጻራሪ ሃበ።+ 62  ንህዝቡ፡ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ንርስቱ ድማ ተቘጥዖ። 63  ንኣጕባዙ ሓዊ በልዖም፣ንደናግሉ ኸኣ ደርፊ መርዓ ኣይተደርፈለንን።* 64  ካህናቱ ብሰይፊ ወደቑ፣+መበለታቶም እውን ኣይበኸያን።+ 65  ሽዑ፡ የሆዋ ኸም ካብ ድቃስ፡+ከምቲ ኻብ ስኽራን ወይኒ ዝነቕሐ ጅግና+ ተበራበረ። 66  ንተጻረርቱ ድማ ንድሕሪት መለሶም፣+ነባሪ ነውሪ እውን ኣሰከሞም። 67  ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣ንነገድ ኤፍሬም ከኣ ኣይሓረዮን። 68  ንነገድ ይሁዳ፡+ነታ ዚፈትዋ ኸረን ጽዮን ግና ሓረያ።+ 69  ንመቕደሱ ኸም ሰማያት፡*+ከምታ ንዘለኣለም ዝሰረታ ምድሪ ጽንዕቲ ገበራ።+ 70  ንጊልያኡ ዳዊት ሓርዩ፡+ካብ ደምበ ኣባጊዕ ወሰዶ።+ 71  ነተን ዜጥብዋ ኣባጊዕ ካብ ምክንኻን ወሲዱ፡ኣብ ህዝቡ ያእቆብ፡+ኣብ ርስቱ እስራኤል፡ ጓሳ ገበሮ።+ 72  ንሱ ኸኣ ብንጽህና ልቢ ጓሰዮም፣+ብውሕሉል ኣእዳው እውን መርሖም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንትምህርተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይተዳለወ።”
ወይ፡ “መንደቕ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም ምግቢ።”
ወይ፡ “ኣይተወከሉን።”
ወይ፡ “መላእኽቲ።”
ወይ፡ “ፈዳይ ሕነኦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ይኸድነሎም።”
ወይ፡ “መንፈስ ከም ዚኸይድ እሞ ኸም ዘይምለስ እውን ዘከረ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣሳቐይዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ።”
ቃ.ቃ.፡ “እተበጀዎም።”
ወይ፡ “ንብርቱዕ ረስኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሓፋን።”
ቃ.ቃ.፡ “ህይወቶም ድማ ንለበዳ ኣሕሊፉ ሃበ።”
ወይ፡ “ኣቕንእዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደናግሉ ኸኣ ኣይተወደሳን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንመቕደሱ ኸም በረኽቲ ሃነጸ።”