ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 76:1-12

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ጽዮን ዝረኸቦ ዓወት

    • ኣምላኽ ንዓቃላት የድሕኖም (9)

    • ኵሩዓት ጸላእቲ ኺትሕቱ እዮም (12)

ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ ማህሌት። 76  ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፣+ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።+   መጽለሊኡ ኣብ ሳሌም፡+መንበሪኡ እውን ኣብ ጽዮን እዩ።+   ኣብኡ ኸኣ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት ቀስቲ፡ዋልታን ሰይፍን ኣጽዋር ውግእን ሰቢሩ።+ (ሴላ)   ንስኻ ደሚቕካ በሪህካ፣*እንስሳ ሃድን ካብ ዝመልኦ ኣኽራን ዚበልጽ ግርማ ኣሎካ።   ተባዓት ልቢ ተዘሚቶም።+ ድቃሶም ደቂሶም፣ኵሎም ጀጋኑ ረዳኢ ኣልቦ ዀይኖም።+   ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብመግናሕትኻብዓል ሰረገላን ፈረስን ከቢድ ድቃስ ደቂሶም።+   ንስኻ በይንኻ ኢኻ እተፍርህ።+ ነቲ ብርቱዕ ቍጥዓኻኸ መን ኪጻወሮ ይኽእል፧+   ካብ ሰማይ ፍርዲ ኣስሚዕካ፣+ምድሪ ኸኣ ፈሪሃ፡ ስቕ እውን ኢላ።+   እወ፡ ኣምላኽ ፍርዱ ኺፍጽም፡ንዅሎም ዓቃላት* ምድሪ ኼድሕኖም ምስ ተንስአ፡ ከምኡ ዀይና።+ (ሴላ) 10  ነድሪ ሰብሲ ንውዳሰኻ ኪኸውን እዩ፣+በቶም ተረፍ ነድሮም ድማ ገዛእ ርእስኻ ኽትስልም ኢኻ። 11  ንየሆዋ ኣምላኽኩም ተመባጽዑሉ፡ ፈጽምዎ ኸኣ፣+ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም፡ ህያባቶም ብፍርሃት የቕርቡ።+ 12  ንሱ ንዅርዓት* መራሕቲ ኼትሕቶ እዩ፣ንነገስታት ምድሪ የፍርሆም እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብብርሃን ተጐልቢብካ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንመንፈስ።”