ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 75:1-10

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ብቕንዕና ይፈርድ

    • እኩያት፡ ጽዋእ የሆዋ ኺሰትዩ እዮም (8)

ንኣላዪ። ብመዝሙር “ኣይተጥፍእ።” ናይ ኣሳፍ።+ ማህሌት። 75  ነመስግነካ፡ ኦ ኣምላኽ፡ ነመስግነካ፣ስምካ ቐረባ እዩ፣+ሰባት ከኣ ዜደንቕ ግብርታትካ ይነግሩ።   “ግዜ ምስ መደብኩ፡ብቕንዕና ኽፈርድ እየ።   ምድርን ኵሎም ነበርታን ምስ መኸኹ፡ኣነ እየ ኣዕኑዳ ዘጽናዕኩ” ትብል። (ሴላ)   ንምኩሓት፡ “ኣይትመክሑ” እብሎም፣ንእኩያት ድማ ከምዚ እብሎም፦ “ብርታዐኹም* ልዕል ኣይተብሉ።   ብርታዐኹም* ናብ ላዕሊ ልዕል ኣይተብሉ፡ወይ ብትዕቢት ኣይትዛረቡ።   ልዕልናስ ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብወይ ካብ ደቡብ ኣይኰነን ዚመጽእ።   ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ።+ ንሓደ ሰብ የዋርድ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ልዕል የብል።+   ኣብ ኢድ የሆዋስ ጽዋእ ኣሎ፣+እቲ ወይኒ ይዓፍር ኣሎ፡ ምሉእ ብምሉእ እውን ተሓዋዊሱ እዩ። ብርግጽ ድማ ኬፍስሶ እዩ፣ኵሎም እኩያት ምድሪ ኸኣ ክሳዕ ሓተላኡ ኺሰትይዎ እዮም።”+   ኣነ ግና ንዘለኣለም ክነግር፡ንኣምላኽ ያእቆብ እውን ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ። 10  ንሱስ፡ “ንዅሉ ብርታዐ* እኩያት ክሰብሮ እየ፣ብርታዐ* ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ” ኢሉ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቀርንኹም።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርንኹም።”
ወይ፡ “ከዚመሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣቕርንቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣቕርንቲ።”