ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 74:1-23

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንህዝቡ ኺዝክሮ እተጸለየ ጸሎት

    • ግብርታት ድሕነት ኣምላኽ ተዘከረ (12-17)

    • ‘ባጫ ጸላኢ ዘክር’ (18)

መስኪል።* ናይ ኣሳፍ።+ 74  ኦ ኣምላኽ፡ ስለምንታይ ንዘለኣለም ደርቢኻና፧+ ስለምንታይከ ቝጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣባጊዕ መጓሰኻ ዚነድድ፧*+   ነቲ ጥንቲ ዘጥረኻዮ ህዝቢ፡*+ ነቲ ርስትኻ ኪኸውን እተበጆኻዮ ነገድ ዘክሮ።+ ነታ እትሓድረላ ኸረን ጽዮን እውን ዘክራ።+   ስጕምትኻ ናብቲ ናይ ሓዋሩ ዑናታት ኣቕንዕ።+ ጸላኢ ነቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዅሉ ኣዕንይዎ።+   ጸላእትኻ ኣብ ውሽጢ መአከቢኻ ጨዲሮም።+ ኣብኡ ድማ ምልክት ኪኸውን ናይ ርእሶም ሰንደቕ ዕላማ ኣቚሞም።   ከምቶም ኣብ ልዕሊ ብርቱዕ ዱር ፋስ ዜልዕሉ ሰባት ይመስሉ።   ንዅሉ እቲ ቕርጽታቱ+ ብፋስን ብሓጺንን ሰቢሮምዎ።   ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ።+ ነቲ ስምካ ዚጽውዓሉ ማሕደርካ ናብ ምድሪ ደርብዮም ኣርኪሶምዎ።   ንሳቶምን ዘርኦምን ብልቦም፡ “ንዅለን እተን ናይ ኣምላኽ ዘበላ መአከቢታት* ነንድደን” ኢሎም።   ንሕና እንርእዮ ምልክታት የብልናን፣ ነብዪ ኸኣ የሎን፣ እዚ ኽሳዕ መዓስ ምዃኑ ዚፈልጥ ድማ የብልናን። 10  ኦ ኣምላኽ፡ ተጻራርስ ክሳዕ መዓስ እዩ ኺጸርፍ፧+ ጸላእስ ንዘለኣለምዶ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧+ 11  ስለምንታይ ንኢድካ፡ ነታ የማነይትኻ፡ እትገትኣ፧+ ካብ ሕቝፍኻ* ኣውጽኣያ እሞ ኣጥፍኣዮም። 12  ኣምላኽ ግና ካብ ቀደም ንጉሰይ እዩ፣ ንሱ እቲ ኣብ ምድሪ ግብርታት ድሕነት ዚገብር እዩ።+ 13  ንስኻ ብብርታዐኻ ንባሕሪ ኣለዓዒልካዮ፣+ ኣራእስ ዓበይቲ እንስሳታት ባሕሪ ኣብ ማያት ጨፍሊቕካ። 14  ንስኻ ኣራእስ ሌዋታን* ሓምሺሽካ፣ ኣብ ምድረ በዳ ንዚነብሩ ህዝቢ ኸኣ ምግቢ ኪዀኖም ሂብካዮም። 15  ንስኻ ንዓይኒ ማያትን ንወሓይዝን መገዲ ኸፊትካሉ፣+ ንስኻ ንዅሉ እቲ ወትሩ ዚውሕዝ ኣፍላግ ኣንቂጽካዮ።+ 16  መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲ እውን ናትካ እያ። ንስኻ ንብርሃንን ንጸሓይን ጌርካ።+ 17  ንስኻ ንዅሉ ወሰናት ምድሪ ኣቚምካዮ፣+ ንሓጋይን ንኽረምትን ከኣ ጌርካዮ።+ 18  ኦ የሆዋ፡ ባጫ ጸላእን ዓሻ ህዝቢ ንስምካ ዘለዎ ንዕቀትን ዘክር።+ 19  ህይወት* ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ። ህይወት ውጹዓትካ ንዘለኣለም ኣይትረስዕ። 20  እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ዓመጻ መሊኡ ኣሎ እሞ፡ ኪዳንካ ዘክር። 21  ድቑስ ሓፊሩ ኣይመለስ፣+ ትሑትን ድኻን ስምካ ይባርኹ።+ 22  ኦ ኣምላኽ፡ ተንስእ እሞ ንጕዳይካ ተማጐተሉ። ዓሻ ምሉእ መዓልቲ ኼባጭወልካ ኸም ዚውዕል ዘክር።+ 23  ጸላእትኻ ዚብልዎ ዘለዉ ኣይትረስዕ። ጭድርታ እቶም ዚዳፈሩኻ ወትሩ ይዓርግ ኣሎ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ዚተክኽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣኼባ።”
ወይ፡ “ንዅለን እተን ኣምላኽ ዚምለኸለን ቦታታት።”
ወይ፡ “ካብ ዕጻፍ ክዳንካ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።”