ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 73:1-28

ትሕዝቶ

  • ንኣምላኽ ዚፈርሆ ሰብ ናብ መንፈሳዊ ኣረኣእያኡ ተመልሰ

    • “ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን” (2)

    • ‘ምሉእ መዓልቲ ተሸጊረ’ (14)

    • ‘ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ’ (17)

    • እኩያት ኣብ መንደልሃጺ ቦታ እዮም (18)

    • “ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” (28)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 73  ኣምላኽ ንእስራኤል፡ ነቶም ንጹህ ዝልቦም ብሓቂ ሕያዋይ* እዩ።+   ኣነ ግና፡ ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣ ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን።+   ሰላም እኩያት ምስ ረኣኹስ፡ ንዕቡያት* ቀኒአሎም ነይረ።+   ኪሞቱ ኸለዉስ ስቓይ የብሎምን፣ ሰብነቶም ጥዕና ኣለዎ።*+   ከም ሰባት ኣይሽገሩን፣+ ከም ሰብ እውን ኣይሳቐዩን።+   ስለዚ፡ ትዕቢት፡ ስልማት ክሳዶም እዩ፣+ ዓመጻ ድማ ከም ክዳን ይኸድኖም።   ብምኽንያት ብልጽግናኦም፡* ኣዒንቶም ጐልሓጣት እየን፣ ሓለፋ እቲ ሓሳባት ልቦም ይሰልጦም።   የላግጹ፡ ክፉእ ነገር ድማ ይዛረቡ።+ ብትዕቢት ከኣ ከም ዚጭቍኑ የፈራርሁ።+   ክሳብ ሰማይ ከም ዝበጽሑ ዀይኖም ይዛረቡ፣ ልሳናቶም ድማ ኳዕነን እናበለ ኣብ ምድሪ ይመላለስ። 10  ስለዚ፡ ህዝቡ ናባታቶም የላግስ፣ ካብ ብዙሕ ማዮም ከኣ ይሰቲ። 11  “ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥ፧+ እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ እዩ፧” ይብሉ። 12  እወ፡ እዚኣቶም እቶም ወትሩ ሃዲኦም ዚነብሩ እኩያት እዮም።+ ሃብቶም ድማ ይውስኹ።+ 13  ብርግጽ ኣነ ብኸንቱ እየ ልበይ ኣንጺሀ፡ ንኣእዳወይ እውን ብንጽህና ሓጺበ።+ 14  ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ተሸጊረ፣+ ንግሆ ንግሆ ድማ ተቐጺዐ።+ 15  ከምኡ ኢለ እንተ ዝዛረብ ግና፡ ንህዝብኻ* ምጠለምክዎ ነይረ። 16  ነዚ ኽርድኦ ምስ ፈተንኩ፡ ኣሸጊሩኒ ነይሩ፣ 17  እወ፡ ናብቲ ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝኣቱ፡ መጻኢኦም ክሳዕ ዘስተውዕል፡ ኣሸጊሩኒ ነይሩ። 18  ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ቦታ ተንብሮም።+ ናብ ጥፍኣቶም ተውድቖም።+ 19  ከመይ ኰን ብሃንደበት ባደሙ!+ ከመይከ ብድንገት ተወዲኦም ጸነቱ! 20  ኦ የሆዋ፡ ከምቲ ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ ዚርሳዕ፡ ንስኻ ምስ ተንሳእካ፡ ንምስሎም ትድምስሶ።* 21  ልበይ ግና ተመሪሩ ነይሩ፣+ ኣብ ውሽጠይ* እውን መውጋእቲ ይስምዓኒ ነይሩ። 22  ዘይሓስብን ደንቈሮን ነይረ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዓሻ እንስሳ ነይረ። 23  ሕጂ ግና ወትሩ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ኸኣ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ ኣለኻ።+ 24  ብምኽርኻ ትመርሓኒ፡+ ድሕሪኡ እውን ናብ ክብሪ ትወስደኒ ኢኻ።+ 25  ኣብ ሰማያትሲ መን ኣሎኒ፧ ብዘይካኻ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።+ 26  ሰብነተይን ልበይን ይምህምን ይኸውን፣ ኣምላኽ ግና ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ግደይን እዩ።+ 27  ብሓቂ፡ እቶም ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም። ንዅሎም እቶም ብምንዝርና* ዚሓድጉኻ ኽትውድኦም* ኢኻ።+ 28  ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ።+ ኵሉ ግብርታትካ ምእንቲ ኽነግርሲ፡ ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መዕቈብየይ ገይረዮ ኣለኹ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ንምኩሓት።”
ወይ፡ “ከብዶም ስቡሕ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሖም።”
ቃ.ቃ.፡ “ንወለዶ ደቅኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ትንዕቆ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኰላሊተይ።”
ወይ፡ “ብጥልመት።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከተብሎም።”