ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 71:1-24

ትሕዝቶ

  • ኣረጋውያን ዘለዎም እምንቶ

    • ካብ ንእስነት ኣትሒዝካ ብኣምላኽ ምእማን (5)

    • “ሓይለይ ምስ ጠለመኒ” (9)

    • ‘ኣምላኽ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዙ ምሂሩኒ’ (17)

71  ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ። ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+   ብጽድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን። እዝንኻ ናባይ ኣድንን* እሞ ኣድሕነኒ።+   ወትሩ ኽኣትዎ ዝኽእል ዕርዲ ኸውሒ ኹነኒ። ከውሐይን ዕርደይንሲ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ንምድሓነይ ኣዝዝ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ኢድ እኩይ፡ ካብ ቍጽጽር ዓማጽን ጨቋንን ኣናግፈኒ።+   ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ተስፋይሲ ንስኻ ኢኻ፣ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብኣኻ እእመን* እየ።*+   ካብ ከርሲ ኣትሒዘ ኣባኻ እምርኰስ እየ፣ ካብ ማሕጸን ኣደይ ዝፈለኻኒ ንስኻ ኢኻ።+ ወትሩ እውድሰካ እየ።   ንብዙሓት ከም ተኣምር ኰይነዮም፣ ንስኻ ግና ጽኑዕ መዕቈብየይ ኢኻ።   ኣፈይ ብውዳሰኻ መሊኡ ኣሎ፣+ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ግርማኻ እነግር እየ።   ብግዜ እርጋነይ ኣይትደርብየኒ፣+ ሓይለይ ምስ ጠለመኒ ኸኣ ኣይትሕደገኒ።+ 10  ጸላእተይ ኣንጻረይ ይዛረቡ፣ እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ* ድማ ተንኰል ይፍሕሱ።+ 11  “ኣምላኽ ሓዲግዎ። ዜድሕኖ ኸኣ የብሉን እሞ፡ ጐይኹም ሓዝዎ” ይብሉ።+ 12  ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ። ኦ ኣምላኸይ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+ 13  እቶም ዚጻረሩኒ* ይሕፈሩን ይጥፍኡን።+ እቶም መዓተይ ዚደልዩ ብነውርን ብውርደትን ይጐልበቡ።+ 14  ኣነ ግና፡ ወትሩ ኽጽበ እየ፣ ንውዳሰኻ እውን ክውስኸሉ እየ። 15  ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኽርድኦ* ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡+ ኣፈይ ጽድቅኻ፡ ምሉእ መዓልቲ ድማ ግብርታት ድሕነትካ ኺነግር እዩ።+ 16  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ መጺአ ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኽነግር፡ ብዛዕባ ጽድቅኻ፡ ብዛዕባ ናትካ ጥራይ ክጠቅስ እየ። 17  ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዝካ ምሂርካኒ፣+ ክሳዕ ሕጂ እውን ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ እነግር ኣለኹ።+ 18  ኦ ኣምላኽ፡ ምስ ኣረግኩን ምስ ሸየብኩን እውን ኣይትሕደገኒ።+ ብዛዕባ ስልጣንካ* ንዚቕጽል ወለዶ፡ ብዛዕባ ሓይልኻ ንዅሎም እቶም ዚመጹ ኽነግሮም እየ።+ 19  ኦ ኣምላኽ፡ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣+ ዓበይቲ ነገራት ጌርካ ኢኻ፣ ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+ 20  ብዙሕ ጭንቅን መዓትን እኳ እንተ ኣርአኻኒ፡+ መሊስካ ኣሐድሰኒ፣ ካብ መዓሙቝ* ምድሪ ኣውጽኣኒ።+ 21  ንዕቤተይ ወስኸሉ፣ ክበበንን ኣጸናንዓንን። 22  ሽዑ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ስለቲ ተኣማንነትካ፡+ ብበገና ኽውድሰካ እየ። ኦ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ብመሰንቆ* ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ። 23  ንህይወተይ ኣድሒንካያ* ኢኻ እሞ፡+ ውዳሰ ኽዝምረልካ ኸለኹ፡ ከናፍረይ እልል ኪብላ እየን።+ 24  እቶም ጥፍኣተይ ዚደልዩ ኺሓፍሩን ኪንውሩን እዮም እሞ፡+ ልሳነይ ብዛዕባ ጽድቅኻ ምሉእ መዓልቲ ኽትዛረብ* እያ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደኒንካ ስምዓኒ።”
ወይ፡ “እውከል።”
ወይ፡ “ንስኻ እምንቶይ ኢኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ዚደልይዋ።”
ወይ፡ “እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ።”
ወይ፡ “ክቘጽሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቕልጽምካ።”
ወይ፡ “መዓሙቝ ማይ።”
ወይ፡ “ብኽራር።”
ወይ፡ “ኸዚመልካ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ተበጂኻያ።”
ወይ፡ “ኸተስተንትን።”