ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 70:1-5

ትሕዝቶ

  • ቅልጡፍ ረድኤት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • “ምእንታይ ቀልጥፍ” (5)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት፡ ንመዘከርታ። 70  ኦ ኣምላኽ፡ ኣድሕነኒ፣ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+   እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡ይሕፈሩን ይዋረዱን። እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡ናብ ውርደት የንሳሕቡ።   እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉ፡ብሕፍረት ንድሕሪት ይመለሱ።   እቶም ዚደልዩኻ ግና፡ብኣኻ ይፈስሁን ይተሓጐሱን።+ እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡ወትሩ፡ “ኣምላኽ ይዕበ!” ይበሉ።   ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣+ኦ ኣምላኽ፡ ምእንታይ ቀልጥፍ።+ ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ፣+ኦ የሆዋ፡ ኣይትደንጒ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ።”