ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 7:1-17

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ጻድቕ ፈራዲ እዩ

    • ‘ኦ የሆዋ፡ ፍረደኒ’ (8)

ዳዊት ብዛዕባ ቓላት ኩሽ እቲ ብንያማዊ ንየሆዋ ዝቘዘሞ ቝዝማ። 7  ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ካብ ኵሎም እቶም ዚሰጕጉኒ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።+   እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ኣንበሳ ዚገብሮ፡ ኪሰላልዑኒ፡*+ዜናግፈኒ ዘይብለይ ኬጥፍኡኒ እዮም።   ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ኣብዚ እንተ ተጋግየ፡ወይ እንተ ዓሚጸ፡   ጽቡቕ ንዝገበረለይ እንተ በዲለ፡+ወይ ንጸላእየይ ብዘይ ምኽንያት እንተ ዘሚተዮ፡*   ጸላኢ ስዒቡ የርክበኒ፣*ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፡ንኽብረይ ከኣ ኣብ ሓመድ የጥፍኣዮ። (ሴላ)   ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ተንስእ፣ኣንጻር ነድሪ ጸላእተይ ተልዓል፣+ምእንታይ ንቓሕ፡ ፍትሒ ኺግበረለይ ድማ ኣዝዝ።+   ኣህዛብ ይኽበቡኒ፣ዒራ ንስኻ ኻብ ላዕሊ ኽትጻረሮም ኢኻ።   የሆዋ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ።+ ኦ የሆዋ፡ ከም ጽድቀይንከም ንጽህናይን ፍረደኒ።+   ንኽፍኣት እኩያት በጃኻ መወዳእታ ግበረሉ። ንጻድቕ ግና ሰርቶ፣+ከመይሲ፡ ልብን+ ውሽጣዊ ስምዒትን+ እትምርምር* ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ።+ 10  ኣምላኽ ዋልታይ እዩ፡+ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ መድሓኒ እዩ።+ 11  ኣምላኽ ጻድቕ ፈራዲ እዩ፣+ኵሉ መዓልቲ ኸኣ ኣምላኽ ፍርድታቱ* ይእውጅ። 12  ሓደ እኳ እንተ ዘይተነሲሑ፡+ ሰይፉ ይስሕል፣+ቀስቱ ገቲሩ ይቕርብ።+ 13  ቀታሊ ኣጽዋሩ የዳሉ፣ሃልሃል ንዚብል ፍላጻታቱ ይቕርብ።+ 14  እከይ ንዝጠነሰ ርኣዮ፣ሽግር ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።+ 15  ጕድጓድ ኵዒቱ የዕምቛ፣ግናኸ፡ ናብታ ዝገበራ ጕድጓድ ይወድቕ።+ 16  እቲ ዘምጽኦ ሽግር ናብ ርእሱ ይምለስ፣+ዓመጻኡ ድማ ኣብ መንበስበስታኡ ይወርድ። 17  ንየሆዋ ስለ ፍትሑ ኽውድሶ እየ፣+ንስም የሆዋ እቲ ልዑል፡+ ውዳሰ ኽዝምር* እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ ኪሰላልዕዋ።”
ወይ፡ “ንዚጻረረኒ እውን ብዘይ ምኽንያት እንተ ንሒፈዮ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጸላኢ ንነፍሰይ ስዒቡ የርክባ።”
ወይ፡ “ልብን ኰላሊትን እትፍትን።”
ወይ፡ “ኵነኔታቱ።”
ወይ፡ “ከዝይም።”