ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 69:1-36

ትሕዝቶ

  • ድሕነት ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” (9)

    • “ቀልጢፍካ መልሰለይ” (17)

    • “ክሰትዮስ መጺጽ ሂቦምኒ” (21)

ንኣላዪ፣ ብ“ሹሻን።” ናይ ዳዊት። 69  ኦ ኣምላኽ፡ ማያት ኣስጊኡኒ* እዩ እሞ፡ ኣድሕነኒ።+   ናብቲ መርገጺ ባይታ ዘይብሉ ዓሚቝ ታኼላ ጥሒለ።+ ናብ ዓሚቝ ማያት ኣትየ፡ ብርቱዕ ውሒዝ ከኣ ወሲዱኒ።+   ብምእዋይ ደኺመ፣+ ጐረሮይ ላሕቲቱ። ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ደኺመን።+   እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ፡+ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ። እቶም ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ፡ እቶም ጠላማት ጸላእተይ* በዚሖም። ዘይሰረቕክዎ ኸረክብ ተገዲደ።   ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ንዕሽነተይ ትፈልጦ ኢኻ፣ በደለይ እውን ካባኻ ኣይተሓብአን።   ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ብኣኻ ተስፋ ዚገብሩ ብኣይ ኣይሕፈሩ። ኦ ኣምላኽ እስራኤል፡ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይዋረዱ።   ስለኻ ተጸሪፈ፣+ ውርደት ከኣ ንገጸይ ሸፊንዎ።+   ንኣሕዋተይ ጋሻ፡ ንደቂ ኣደይ ድማ ጓና ዀይነዮም።+   ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣+ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻ ኸኣ ኣባይ ወዲቑ።+ 10  ብጾም ገዛእ ርእሰይ* ምስ ኣትሓትኩ፡* ብሰንኪ እዚ ተጸሪፈ። 11  ማቕ ምስ ተኸደንኩ፡ መመሰሊ ዀይነዮም። 12  መዛረቢ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዘለዉ ዀይነ፣ ሰኽራማት ከኣ መድረፊኦም ገይሮምኒ። 13  ኦ የሆዋ፡ ብቕብልቲ ግዜ ግና፡ ጸሎተይ ናባኻ ይብጻሕ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ በቲ ርግጽ ዝዀነ ግብርታት ድሕነትካ መልሰለይ።+ 14  ካብ ታኼላ ኣናግፈኒ፣ ክጥሕል ኣይትሕደገኒ። ካብቶም ዚጸልኡንን ካብቲ መዓሙቝ ማያትን ኣናግፈኒ።+ 15  ብርቱዕ ውሒዝ ኪወስደኒ፡+ ወይ መዓሙቝ ኪውሕጠኒ፡ ወይ ዒላ* ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኺዓጹ ኣይትሕደግ።+ 16  ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መልሰለይ።+ ከም ብዝሒ ምሕረትካ ናባይ ኣብል፣+ 17  ካብ ጊልያኻ ድማ ገጽካ ኣይትሕባእ።+ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ቀልጢፍካ መልሰለይ።+ 18  ናባይ ቅረብ እሞ ኣናግፈኒ፣* ካብ ጸላእተይ ተበጀወኒ። 19  ጸርፈይን ሕስራነይን ውርደተይን ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።+ ንዅሎም ጸላእተይ ትርእዮም ኢኻ። 20  ጸርፊ ንልበይ ሰቢርዎ እዩ እሞ፡ ቍስለይ ዘይሓዊ ዀይኑ።* ዚድንግጸለይ ክረክብ ተስፋ ገይረ ነይረ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣+ ዜጸናንዓኒ ኽረክብ እውን ተጸብየ ነይረ፣ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።+ 21  ንብልዒ ግና መርዚ* ሂቦምኒ፣+ ንጽምአይ እውን ክሰትዮስ መጺጽ ሂቦምኒ።+ 22  መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መጻወድያ፡ ብልጽግናኦም ድማ መፈንጠራ ይኹን።+ 23  ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፣ ንሕቘኦም ድማ ወትሩ ኣንቀጥቅጦ። 24  ነድርኻ* ኽዓወሎም፣ ዚነድድ ቍጥዓኻ እውን የርክቦም።+ 25  ሰፈሮም* ይባድም፣ ኣብ ድንኳናቶም ከኣ ሓደ እኳ ኣይንበር።+ 26  ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕግዎ፡ ስቓይ እቶም ዘቝሰልካዮም እውን ይጽብጽቡ። 27  ኣብ ልዕሊ በደሎም በደል ወስኽ፣ ኣብ ጽድቅኻ እውን ግደ ኣይሃልዎም። 28  ካብ መጽሓፍ ህያዋን* ይደምሰሱ፣+ ኣብ መንጎ ጻድቃን ከኣ ኣይመዝገቡ።+ 29  ኣነ ግና ውጹዕ እየ፡ እቕንዞ እውን ኣለኹ።+ ኦ ኣምላኽ፡ ድሕነትካ የዕቍበኒ። 30  ንስም ኣምላኽ ውዳሰ ኽዝምረሉ፡ ብምስጋና ድማ ከዕብዮ እየ። 31  እዚ ንየሆዋ ኻብ ብዕራይ፡ ካብ ኣቕርንትን ሸዀናን ዘለዎ ዝራብዕ ንላዕሊ ባህ ኬብሎ እዩ።+ 32  ዓቃላት* ኪርእይዎን ኪሕጐሱን እዮም። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፡ ልብኹም ይተሓደስ። 33  የሆዋስ ንድኻታት ይሰምዖም፡+ ንምሩኻት ህዝቡ እውን ኣይንዕቆምን እዩ።+ 34  ሰማይን ምድርን፡ ባሕርታትን ኣብኡ ዚንቀሳቐስ ኵሉን ይወድሶ።+ 35  ኣምላኽሲ ንጽዮን ኬድሕና፡+ ንኸተማታት ይሁዳ ድማ ዳግም ኪሃንጸን እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብአን ኪቕመጡን ንዓኣ ኺርስተይዋን* እዮም። 36  ዘርኢ ገላዉኡ ኺወርስዋ፡+ እቶም ስሙ ዚፈትዉ+ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክሳብ ነፍሰይ በጺሑ።”
ወይ፡ “ብኸምኡ ዚጸልኡኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ምስ በኸኹን ምስ ጾምኩን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጕድጓድ።”
ወይ፡ “ናብ ነፍሰይ ቅረብ እሞ ተበጀዋ።”
ወይ፡ “ተስፋ ቐቢጸ።”
ወይ፡ “መርዛም ተኽሊ።”
ወይ፡ “ቍጥዓኻ።”
ወይ፡ “እተዃነየ ሰፈሮም።”
ወይ፡ “መጽሓፍ ህይወት።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ማለት፡ ነታ ምድሪ።