ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 68:1-35

ትሕዝቶ

  • ‘ጸላእቲ ኣምላኽ ፋሕ ይበሉ’

    • “ኣቦ ዘኽታማት” (5)

    • ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ቤት ይህቦም (6)

    • ኣንስቲ የበስራ (11)

    • ውህበት ጌርካ እተወስዱ ሰባት (18)

    • ‘የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ይጸውር’ (19)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር። ማህሌት። 68  ኣምላኽ ይተንስእ፡ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ድማ ካብ ቅድሚኡ ይህደሙ።+   ትኪ ኸም ዚብተን፡ በትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፡ ከምኡ እኩያት ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጥፍኡ።+   ጻድቃን ግና ይተሓጐሱ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ይበሎም፣ ብታሕጓስ ይፈስሁ።   ንኣምላኽ ዘምሩሉ፣ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።*+ ነቲ ብጐላጕል ምድረ በዳ* ተወጢሑ ዚሓልፍ ዘምሩሉ። ስሙ ያህ* እዩ!+ ኣብ ቅድሚኡ ተሓጐሱ!   ኣምላኽ ኣብ ቅዱስ ማሕደሩ+ ኣቦ ዘኽታማትን* መዕቈቢ* መበለታትን እዩ።+   ኣምላኽ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዚቕመጡሉ ቤት ይህቦም፣+ ንእሱራት ናብ ብልጽግና የውጽኦም።+ ነቓጻት* ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ንህዝብኻ ኽትመርሖ* ኸለኻ፡+ ብምድረ በዳ ኽትሓልፍ ከለኻ፡ (ሴላ)   ምድሪ ኣንቀጥቂጣ፣+ ሰማይ እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘኒሙ፣* እዚ ሲና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣንቀጥቂጡ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ብብዝሒ ኣዝኒምካ፣ ንዝደኸመ ህዝብኻ* ኣበርቲዕካዮ። 10  ኣብ ድንኳናትካ ተቐሚጦም፣+ ኦ ኣምላኽ፡ ብሕያውነትካ* ንድኻ ኣዳሊኻሉ። 11  የሆዋ ትእዛዝ ይህብ፣ እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።+ 12  ነገስታት ሰራዊት ይሃድሙ፡+ ይሃድሙ! እታ ኣብ ቤት ዝጸንሐት፡ ካብ ምርኮ ትማቐል።+ 13  ኣብ መንጎ መጋርያታት* እኳ በጥ ኢልኩም እንተ ነበርኩም፡ ብብሩር እተለበጠ ኣኽናፍ ርግቢ፡ ብጽሩይ* ወርቂ እውን እተለበጠ መንገብገብ ኪህሉ እዩ። 14  እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፡+ ኣብ ጻልሞን ውርጪ ዘኒሙ።* 15  ከረን ባሳን+ ናይ ኣምላኽ ከረን* እዩ፣ ከረን ባሳን ኣራእስ ዘለዎ ኸረን እዩ። 16  ኣቱም ኣራእስ ኣኽራን፡ ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ኣምላኽ ማሕደሩ ኪኸውን ዝሓረዮ* ኸረን ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧+ እወ፡ የሆዋ ኣብኡ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+ 17  ሰረገላታት ኣምላኽ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+ የሆዋ ኻብ ሲና ናብ መቕደስ መጺኡ።+ 18  ናብ ላዕሊ ደዪብካ፣+ ምሩኻት ማሪኽካ፣ ውህበት ጌርካ ሰባት ወሲድካ፣+ እወ፡ ኦ ያህ ኣምላኽ፡ ኣብ መንጎኦም ክትነብርሲ ነቓጻት እኳ ወሲድካ።+ 19  እቲ መዓልቲ መዓልቲ ጾርና ዚጸውር የሆዋ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድሕነትና ይወደስ።+ (ሴላ) 20  ንዓናስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ዜድሕን ኣምላኽ እዩ፣+ የሆዋ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ድማ ካብ ሞት መዋጽኦ ዚገብር ኣምላኽ እዩ።+ 21  እወ፡ ኣምላኽ ንኣራእስ ጸላእቱ፡ ነቲ ጸጓር መንበስበስታ እቲ ብበደሉ ዚመላለስ ዘበለ ኺጭፍልቖ እዩ።+ 22  የሆዋ ኸምዚ ኢሉ፦ “ካብ ባሳን ክመልሶም፡+ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸኣ ክመልሶም እየ፣ 23  በዚ ኸምዚ፡ እግርኻ ብደም ክትሕጸብ እያ፣+ ልሳን ኣኽላባትካ ኸኣ ግዲኡ ኻብ ጸላእቲ ኺረክብ እዩ።” 24  ኦ ኣምላኽ፡ ዓጀባኻ፡ እቲ ናብ መቕደስ ዚበጽሕ ዓጀባ ኣምላኸይ፡ ንጉሰይ፡ ይርእዩ።+ 25  እቶም ዘመርቲ ቐቅድሚት፡ ደድሕሪኦም ድማ በገና ዚወቕዑ ሙዚቀኛታት ይኸዱ፣+ ኣብ መንጎ ኸኣ ከበሮ ዚወቕዓ ኣዋልድ ኣለዋ።+ 26  ኣብ ጉባኤ ህዝቢ፡* ንኣምላኽ ወድስዎ፣ ኣቱም ካብ ምንጪ እስራኤል ዝዀንኩም፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+ 27  ኣብኡ እቲ ዝነኣሰ ብንያም+ ይገዝኦም፣ ከምኡ እውን መሳፍንቲ ይሁዳ ምስቶም ጫውጫው ዚብሉ ጭፍራኦም፡ መሳፍንቲ ዛብሎን፡ መሳፍንቲ ንፍታሌም ይገዝእዎም። 28  ኣምላኽካ ሓያል ክትከውን ኣዚዙ። ኣታ ምእንታና ኢልካ ዝገበርካ ኣምላኽ፡ ብርታዐኻ ኣርኢ።+ 29  ስለታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤተ መቕደስካ፡+ ነገስታት ህያባት ኬምጽኡልካ እዮም።+ 30  ህዝብታት ብሩር ሒዞም መጺኦም ክሳዕ ዚሰግዱ፡* ኣብ ሻምብቆታት ንዘለዉ እንስሳ ዘገዳም፡ ንኣኼባ ኣብዑርን+ ምራኹቶምን ግንሓዮም። ብውግእ ደስ ንዚብሎም ህዝብታት ግና ፋሕ የብሎም። 31  ኣቕሑ ብሮንዞ ኻብ ግብጺ ኺመጽእ እዩ፣*+ ኩሽ ከኣ ቀልጢፋ ንኣምላኽ ህያባት ክትህብ እያ። 32  ኦ መንግስትታት ምድሪ፡ ንኣምላኽ ዘምራሉ፡+ ንየሆዋ ውዳሰ ዘምራሉ፣* (ሴላ) 33  ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ተወጢሑ ዚኸይድ ዘምሩሉ።+ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የንጐድጕዶ። 34  ኣምላኽ ብርቱዕ ምዃኑ ተኣመኑ።+ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ብርታዐኡ ድማ ኣብ ሰማያት* እዩ። 35  ኣምላኽ ካብቲ ዓብዪ መቕደሱ* ዜፍርህ እዩ።+ ንሱ ንህዝቡ ብርታዐን ሓይልን ዚህብ+ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይወደስ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ኣብ ደበናታት” ኪኸውን ይኽእል።
“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
ወይ፡ “ኣቦ ዘይብሎምን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዳኛ።”
ወይ፡ “ዓለወኛታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጠብጢቡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርስትኻ።”
ወይ፡ “ብሰናይካ።”
ወይ፡ “ደምበታት ኣባጊዕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብጭው ዝበለ ሓምላይ።”
ወይ፡ “ከምቲ ኣብ ጻልሞን ውርጪ ምስ ዘነመ ዚኸውን ኰይኑ።”
ወይ፡ “ግርማ ዘለዎ ኸረን።”
ወይ፡ “እተመነዮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣኼባታት።”
ወይ፡ “ህዝብታት ንብሩር ክሳዕ ዚረግጽዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምባሳደራት ካብ ግብጺ ኺመጹ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣዚማሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደበናታት።”
ቃ.ቃ.፡ “መቕደስካ።”