ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 66:1-20

ትሕዝቶ

  • ዜፍርህ ግብርታት ኣምላኽ

    • ‘ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ርኣዩ’ (5)

    • “መብጽዓታተይ ክፍጽመልካ እየ” (13)

    • ኣምላኽ ጸሎት ይሰምዕ (18-20)

ንኣላዪ። ማህሌት። መዝሙር። 66  ኵልኹም ህዝቢ ምድሪ ንኣምላኽ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።+   ነቲ ኽቡር ስሙ ዘምሩሉ።* ክቡር ውዳሰ ሃብዎ።+   ንኣምላኽ ከምዚ በልዎ፦ “ግብርታትካ ኽንደይ ዜፍርህ እዩ!+ ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ሓይልኻ፡ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ እዮም።+   ኵሎም ህዝቢ ምድሪ ኺሰግዱልካ እዮም፣+ውዳሰ እውን ኪዝምሩልካ እዮም፣ንስምካ ውዳሰ ኺዝምሩ እዮም።”+ (ሴላ)   ንዑ፡ ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርኣዩ። ንደቂ ሰብ ዝገበረሎም ግብርታት ዜፍርህ እዩ።+   ንባሕሪ ናብ ንቑጽ ምድሪ ለዊጥዎ፣+ንፈለግ ብእግሮም ሰጊሮምዎ።+ ኣብኡ ብእኡ ተሓጒስና።+   ብሓይሉ ንዘለኣለም ይገዝእ።+ ኣዒንቱ ናብ ኣህዛብ ይቋመታ።+ እቶም ነቓጻት ርእሶም ልዕል ኣየብሉ።+ (ሴላ)   ኣቱም ህዝቢ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ።+ ድምጺ ውዳሰኡ ኸኣ ይሰማዕ።   ንሱ ብህይወት የንብረና፡*+ኣእጋርና ኺዕንቀፍ* እውን ኣይፈቅድን እዩ።+ 10  ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መርሚርካና ኢኻ፣+ከምቲ ብሩር ዚጸሪ ድማ ኣጽሪኻና። 11  ናብ መርበብ ሃድን ኣእቲኻና፣ኣብ ሕቘና ኸኣ ዚደቍስ ጾር ኣንቢርካ። 12  መዋቲ ሰብ ብልዕሌና* ተወጢሑ ኺሓልፍ ፈቒድካ፣ብሓውን ብማይን ሓሊፍና፣ናብ ቦታ ራህዋ ኸኣ ኣምጺእካና። 13  ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ሒዘ ናብ ቤትካ ኽመጽእ እየ፣+መብጽዓታተይ ክፍጽመልካ እየ፣+ 14  እዚ ድማ ከናፍረይ እተመባጽዓኦ፡+ብግዜ ጭንቂ እውን ኣፈይ እተዛረበቶ እዩ ነይሩ። 15  ዕጣን ምስ ዚዀኑ ደዓውል፡ዚሓርር መስዋእቲ ገይረ ስቡሓት ክስውእ እየ። ምስ ድቤላታት ከኣ ኣብዑር ክስውእ እየ። (ሴላ) 16  ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርህዎ፡ ንዑ ስምዑ፣ኣነ ድማ እቲ ዝገበረለይ* ክነግረኩም እየ።+ 17  ብኣፈይ ጸዊዐዮ፣ብልሳነይ እውን ኣሞጊሰዮ። 18  ኣብ ልበይ ገለ ኽፉእ እንተ ዝሕዝ፡የሆዋ ኣይምሰምዓንን ነይሩ።+ 19  ኣምላኽ ግና ሰሚዑኒ እዩ፣+ንጸሎተይ ከኣ ኣቕሊቡሉ እዩ።+ 20  እቲ ንጸሎተይ ዘይነጸጎ፡ብተኣማንነት ዜርእየኒ ፍቕሩ እውን ካባይ ዘየርሓቐ ኣምላኽ ይወደስ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ንነፍስና ብህይወት የንብራ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኪብል።”
ቃ.ቃ.፡ “ብልዕሊ ርእስና።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ዝገበረላ።”