ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 65:1-13

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንምድሪ ዚገብረላ ኽንክን

    • “ሰማዕ ጸሎት” (2)

    • ‘እቲ እትሓርዮ፡ ሕጉስ እዩ’ (4)

    • ብዙሕ ሕያውነት ኣምላኽ (11)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። ማህሌት። 65  ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ጽዮን ውዳሰ ይጽበየካ ኣሎ፣መብጽዓታትና ኽንፍጽመልካ ኢና።+   ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ* ናባኻ ኺመጽእ እዩ።+   ኣበሳይ ዓብሊሉኒ፣+ንስኻ ግና ንጥሕሰትና ኸዲንካዮ።+   እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብርእትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ።+ በቲ ኣብ ቤትካ፡ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስካ+ እንረኽቦ ጽቡቕ ነገር ክንዓግብ ኢና።+   ኦ ኣምላኽ ድሕነትና፡ብዜፍርህ ግብርታት ጽድቂ ኽትምልሰልና ኢኻ፣+ንዅሉ ወሰናት ምድርንነቶም ኣብ ርሑቕ ስግር ባሕሪ ዘለዉን እምንቶኦም ኢኻ።+   ንኣኽራን ብሓይልኻ ኣጽኒዕካዮ፣*ብርታዐ ድማ ተኸዲንካ ኣለኻ።*+   ንዚናወጽ ባሕርታት፡ንዚጻፋዕ ማዕበላትን ንህውከት ኣህዛብን ተህድኦ።*+   ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ብትእምርትታትካ ኺድነቑ እዮም፣+ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ ዘለዉ እልል ከተብሎም ኢኻ።   ንምድሪ ትከናኸና እሞ፡ብብዝሒ እተፍርን* ኣዝያ ሃብታምን ትገብራ።+ ካብ ኣምላኽ ዚውሕዝ ርባ ብማይ ዝመልአ እዩ፣ንምድሪ በዚ ኸምዚ ኣዳሊኻያ ኢኻ እሞ፡እኽሊ ተዳልወሎም። 10  ንነግሕታታ ማይ ተጽግቦ፡ ንእተሓርሰ ሓመዳ* ትምድምዶ። ብዝናም ተለስልሳ፣ ንብቋልያኣ ትባርኾ።+ 11  ንዓመት ብሕያውነትካ* ኣኽሊል ትደፍኣላ፣ኣሰርካ ብበረኸት ይጅርብብ።*+ 12  ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ይዕምር፣*ኵድዅዶታት ድማ ሓጐስ ይለብስ። 13  መጓሰዪታት ብመጓሰ ይኽደን፣ስንጭሮታት* ከኣ እኽሊ ይለብስ።+ ጭድርታ ዓወት ይጭድሩ፡ እወ፡ ይዝምሩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብሓይሉ ኣጽኒዕዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተኸዲኑ ኣሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “የህድኦ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተዕለቕልቓ።”
ወይ፡ “ንድንኩላታ።”
ወይ፡ “ብሰናይካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስብሒ የንጠብጥብ።”
ቃ.ቃ.፡ “የንጠብጥብ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕል።”