ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 64:1-10

ትሕዝቶ

  • ካብ ሕቡእ መጥቃዕቲ ዕቝባ ምርካብ

    • ‘ኣምላኽ ኪውርውረሎም እዩ’ (7)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 64  ኦ ኣምላኽ፡ ክልምን ከለኹ፡ ድምጸይ ስማዕ።+ ንህይወተይ ካብ ራዕዲ ጸላኢ ሓልዋ።   ካብ ምስጢራዊ ውዲት እኩያት፡+ ካብ ጭፍራ ገበርቲ ኽፉእ ከውለኒ።   ልሳኖም ከም ሰይፊ ይስሕሉ፣ ሕሱም ቃላቶም ከኣ ከም ፍላጻታት የዝግቡ፣   ካብቲ መሕብኢኦም ድማ ንንጹህ ይውርውሩሉ፣ ብዘይ ፍርሂ ብሃንደበት ይውርውሩሉ።   እኩይ ሃቐናኦም ኣጽኒዖም ይሕዙ፣* መጻወድያታቶም ከመይ ገይሮም ከም ዚሓብእዎ ይዛራረቡ። “መን ኪርእዮ እዩ፧” ይብሉ።+   ክፉእ ዚገብሩሉ ሓድሽ መገድታት የናድዩ፣ ብምስጢር ከኣ ዜዐሹ ስልቲ ይምህዙ።+ ኣብ ውሽጢ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ሓሳብ ዘይምርመር እዩ።   ኣምላኽ ግና ኪውርውረሎም እዩ፣+ ብሃንደበት ብፍላጻ ኪቘስሉ እዮም።   ልሳኖም ድማ ኬውድቖም እዩ፣+ ዚርእዩ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ርእሶም ኪንቕንቑ እዮም።   ሽዑ፡ ኵሎም ሰባት ኪፈርሁ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ድማ ኪነግሩ፡ ብዛዕባ ግብርታቱ ኸኣ ልቦና ኼጥርዩ እዮም።+ 10  ጻድቕ ብየሆዋ ኺሕጐስ፡ ኣብኡ እውን ኪምዕቈብ እዩ፣+ ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ድማ ኪፍስሁ* እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እከይ ንምግባር ንሓድሕዶም ይተባብዑ።”
ወይ፡ “ኪምክሑ።”