ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 63:1-11

ትሕዝቶ

  • ንኣምላኽ ሃረር ምባል

    • ‘ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ይበልጽ’ (3)

    • ‘ብብሉጽ ግደ ዓጊበ እየ’ (5)

    • ለይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ምስትንታን (6)

    • ‘ናብ ኣምላኽ እለግብ እየ’ (8)

ኣብ በረኻ ይሁዳ ኸሎ፡ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር።+ 63  ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ እደልየካ ኣለኹ።+ ንዓኻ ኽረክብ ሃረር እብል ኣለኹ።*+ ማይ ኣብ ዘይብሉ ደረቕን ምድሪ ኣጻምእን ብናፍቖትካ ደኺመ ኣለኹ።*+   ስለዚ፡ ኣብ መቕደስ ጠሚተካ፡ ብርታዐኻን ክብርኻን ድማ ርእየ።+   ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ስለ ዚበልጽ፡+ ከናፍረይ ኬሞግሳኻ እየን።+   ስለዚ፡ ምሉእ ህይወተይ ክውድሰካ እየ፣ ብስምካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ።   ብብሉጽን ብሕሩይን ግደ* ዓጊበ እየ* እሞ፡ ኣፈይ ብእልልታ ኸናፍረይ ኪውድሰካ እዩ።+   ኣብ ዓራተይ ኰይነ እዝክረካ፡ ብግዜ ሓለዋታት ለይቲ ኸኣ ብዛዕባኻ አስተንትን እየ።+   ንስኻስ ረዳእየይ ኢኻ፣+ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ድማ እልል እብል እየ።+   ናባኻ እለግብ እየ፣* የማነይቲ ኢድካ ኣጽኒዓ ትሕዘኒ።+   እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ* ዚደልዩ ግና፡ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም። 10  ናብ ሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም። ቀለብ ወኻሩ* ኪዀኑ እዮም። 11  ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ እዩ። ኣፍ እቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኺዕበስ እዩ እሞ፡ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኺፍሳህ* እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ንዓኻ ትጸምእ ኣላ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋይ ብናፍቖትካ ደኺሙ ኣሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከም ብስብሕን ብህጥራንን።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ዓጊባ እያ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ናባኻ ትለግብ እያ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ፣ ኪቐትሉኒ።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ወይ፡ “ኺምካሕ።”