ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 62:1-12

ትሕዝቶ

  • ናይ ሓቂ ድሕነት ካብ ኣምላኽ ይመጽእ

    • “ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ” (1, 5)

    • ‘ልብኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣፍስሱ’ (8)

    • ሰባት ትንፋስ ጥራይ እዮም (9)

    • ብሃብቲ ኣይትተኣመኑ (10)

ንኣላዪ፣ ናይ የዱቱን።* ናይ ዳዊት መዝሙር። 62  ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ።* ድሕነተይ ካብኡ እዩ ዚመጽእ።+   ብርግጽ፡ ከውሐይን ድሕነተይን እምባይን* እዩ፣+ ከቶ ብዙሕ ኣይክናወጽን እየ።+   ክትቀትልዎስ ንሰብ ክንደይ ሳዕ ኢኹም ከተጥቅዕዎ፧+ ኵላትኩም ከም ዝዘዘወ መንደቕ፡ ኪፈርስ ከም ዝቐረበ መንደቕ ሓደገኛታት ኢኹም።*   ካብ ልዑል ቦታኡ* ኺግልብጥዎስ ይማኸሩ፣ ብሓሶት ባህ ይብሎም። ብኣፎም ይምርቑ፣ ብውሽጦም ግና ይረግሙ።+ (ሴላ)   ተስፋይ ካብኡ ስለ ዚመጽእ፡+ ብርግጽ፡ ንኣምላኽ ብስቕታ እየ ዝጽበዮ።*+   ብርግጽ፡ ከውሐይን ድሕነተይን እምባይን እዩ፣ ከቶ ኣይክናወጽን እየ።+   ድሕነተይን ክብረይን ኣብ ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ጽኑዕ ከውሐይን መዕቈብየይን ኣምላኽ እዩ።+   ኣቱም ህዝቢ፡ ኵሉ ግዜ ብእኡ ተኣመኑ። ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ።+ ኣምላኽ መዕቈቢና እዩ።+ (ሴላ)   ደቂ ኣዳም ትንፋስ ጥራይ እዮም፣ ደቂ ሰብ ናይ ሓሶት እዮም።+ ብሓባር ኣብ ሚዛን ምስ ተነብሩ፡ ካብ ትንፋስ ይፈዅሱ።+ 10  ብዘረፋ ኣይትተኣመኑ፣ ብዘመተ ኸኣ ናይ ሓሶት ተስፋ ኣይትግበሩ። ሃብትኹም እንተ በዝሐ፡ ልብኹም ኣይተውድቑሉ።+ 11  ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛሪቡ፣ ነዚ ኸኣ ክልተ ሳዕ ሰሚዐዮ፦ ብርታዐስ ናይ ኣምላኽ እዩ።+ 12  ኦ የሆዋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ እሞ፡+ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እውን ናትካ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ንኣምላኽ ብስቕታ እያ እትጽበዮ።”
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይን።”
ወይ፡ “ከም ዝዘዘወ መንደቕ፡ ኪፈርስ ከም ዝቐረበ መንደቕ፡ ኵላትኩም ተጥቅዕዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ካብ ክብሩ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ንኣምላኽ ብስቕታ እያ እትጽበዮ።”