ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 61:1-8

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ፡ ካብ ጸላኢ ዜዕቍብ ጽኑዕ ግምቢ

    • “ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ” (4)

ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። ናይ ዳዊት። 61  ኦ ኣምላኽ፡ ኣውያተይ ስማዕ። ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።+   ልበይ ምስ ቀበጸ፡*+ ካብ ወሰናት ምድሪ ናባኻ ኸእዊ እየ፣ ካባይ ልዕል ናብ ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።+   ንስኻስ መዕቈብየይ፡ ካብ ጸላኢ ዜዕቍበኒ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ።+   ንዘለኣለም ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ፣+ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ኽዕቈብ እየ።+ (ሴላ)   ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻስ መብጽዓታተይ ሰሚዕካ ኣለኻ። ርስቲ እቶም ስምካ ዚፈርሁ ሂብካኒ ኣለኻ።+   ንዕድመ* ንጉስ መዓልትታት ክትውስኸሉ ኢኻ፣+ ዓመታቱ ድማ ንውሉድ ወለዶ ኪኸውን እዩ።   ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ዝፋን ኪቕመጥ* እዩ፣+ ምእንቲ ኺሕልዋኦስ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ሃቦ።+   ሽዑ፡ መዓልቲ መዓልቲ መብጽዓታተይ ክፍጽም ከለኹ፡+ ንስምካ ንዘለኣለም ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደኸመ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንመዓልትታት።”
ወይ፡ “ንዘለኣለም ኪቕመጥ።”
ወይ፡ “ከዚመሉ።”