ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 60:1-12

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ንጸላእቱ የምበርክኾም

    • ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ (11)

    • “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና” (12)

ንኣላዪ፣ ብ“እተዘኻኽር ሹሻን።” ሚክታም።* ናይ ዳዊት። ንትምህርቲ። ምስ ኣራም-ናሃራዪምን ኣራም-ጾባን ምስ ተዋግአ እሞ፡ ዮኣብ ተመሊሱ ኣብ ስንጭሮ ጨው 12,000 ኤዶማውያን ምስ ቀተለ።+ 60  ኦ ኣምላኽ፡ ደርቢኻና፣ ንመከላኸሊና ፈንጢስካዮ።+ ተቘጢዕካና፣ ሕጂ ግና ተመሊስካ ተቐበለና።   ንምድሪ ኣንቀጥቂጥካያ፣ ጨዲድካያ። ትፈርስ ኣላ እሞ፡ ጭዳዳ ጸግን።   ንህዝብኻ ሽግር ኣርኢኻዮ። ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቲኻና።+   ሃዲሞም ንቐስቲ ኼስሕቱስ፡ ንዚፈርሁኻ ምልክት ሃቦም።* (ሴላ)   ፍቑራትካ ምእንቲ ኺናገፉስ፡ ብየማነይቲ ኢድካ ኣድሕነና፡ መልሰልና እውን።+   ኣምላኽ ብቕድስናኡ* ተዛሪቡ፦ “ክፍሳህ፡ ንሴኬም ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣+ ንስንጭሮ* ሱኮት ከኣ ክልክዖ እየ።+   ጊልዓድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ እውን ናተይ እዩ፣+ ኤፍሬም ቍራዕ* ርእሰይ እዩ፣ ይሁዳ ዘንጊ ኣዛዝየይ እዩ።+   ሞኣብ ዝሕጸበሉ ገበራ እዩ።+ ኣብ ልዕሊ ኤዶም ሳእነይ ክድርቢ እየ።+ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤም ብዓወት ክጭድር እየ።”+   ናብታ እተኸብበት* ከተማ መን ኬምጽኣኒ እዩ፧ ክሳብ ኤዶምከ መን ኪመርሓኒ እዩ፧+ 10  ኣታ ደርቢኻና ዘለኻ ኣምላኽ፡ ኣታ ምስ ሰራዊትና ዘይትወጽእ ዘለኻ ኣምላኽና፡ ንስኻ ደይኰንካን፧+ 11  ካብ ሰብ ዚርከብ ድሕነት ከንቱ እዩ እሞ፡ ብግዜ ጭንቅና ርድኣና።+ 12  ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና፣+ ንሱ ድማ ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሂብካዮም ኣለኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ መቕደሱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕርዲ።”
ወይ፡ “እተዓርደት” ኪኸውን ይኽእል።