ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 6:1-10

ትሕዝቶ

  • ልማኖ ሞገስ

    • ምዉታት ንኣምላኽ ኣይውድስዎን (5)

    • ኣምላኽ ልማኖ ሞገስ ይሰምዕ (9)

ንኣላዪ፣ ብሸሚኒት* ብእተቓነየ በገና ዚስነ። ናይ ዳዊት መዝሙር። 6  ኦ የሆዋ፡ ብቝጥዓኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብነድርኻ ድማ ኣይትኣርመኒ።+   ኦ የሆዋ፡ እደክም ኣለኹ እሞ፡ ሞገስካ* ኣርእየኒ። ኦ የሆዋ፡ ኣዕጽምተይ የንቀጥቅጥ ኣሎ እሞ፡ ኣሕውየኒ።+   እወ፡ ብዙሕ ተረቢሸ እየ፣*+ ኦ የሆዋ፡ ክሓትተካ፡—እዝስ ክሳዕ መዓስ እዩ፧+   ኦ የሆዋ፡ ተመለስ እሞ፡ ኣናግፈኒ፣*+ ምእንቲ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።+   ኣብ ሞትሲ ዜልዕለካ* የልቦን፣ ኣብ መቓብርከ* መን እዩ ዚውድሰካ፧+   ብእህህታይ ደኺመ፣+ ምሉእ ለይቲ ንዓራተይ ብንብዓት አጠስጥሶ* ኣለኹ፣ ንመገምሰስየይ ብብኽያት ኣዕለቕሊቐዮ ኣለኹ።+   ዓይነይ ብጓሂ ደኺማ ኣላ፣+ ብሰሪ ዅሎም እቶም ዚጻረሩኒ ሓሚቓ ኣላ።   የሆዋ ንድምጺ ብኽያተይ ኪሰምዖ እዩ እሞ፡+ ኣቱም ገበርቲ እከይ፡ ካባይ ርሓቑ።   የሆዋ ንናይ ሞገስ ልማኖይ ኪሰምዖ እዩ፣+ የሆዋ ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ። 10  ኵሎም ጸላእተይ ኪሓፍሩን ኪድሃሉን እዮም፣ ብሃንደበታዊ ውርደት ንድሕሪት ኪወድቁ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ምሕረትካ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብዙሕ ተረቢሻ እያ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
ወይ፡ “ዚዝክረካ።”
ወይ፡ “ሲኦልከ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ንዓራተይ አሐምብሶ።”