ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 59:1-17

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ፡ ዋልታን መዕቈብን

    • ‘ንኸዳዓት ኣይትምሓር’ (5)

    • “ብዛዕባ ብርታዐኻ ኽዝምር እየ” (16)

ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ኢሉ፡* ንቤቱ ኺሕልዉ ሰባት ምስ ሰደደ።+ 59  ኦ ኣምላኸይ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣+ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣዕቍበኒ።+   ካብቶም እከይ ዚገብሩ ኣናግፈኒ፣ካብ ዓመጽቲ* ሰባት ድማ ኣድሕነኒ።   እንሆ፡ ኣድብዮም ይጽበዩኒ* ኣለዉ፣+ብርቱዓት የጥቅዑኒ ኣለዉ፣ግናኸ፡ ኦ የሆዋ፡ ስለ ዝዓሎኹ ወይ ስለ ዝሓጣእኩ ኣይኰነን።+   ከይበደልኩስ፡ ጐይዮም ኬጥቅዑ ይዳለዉ። ብጻውዒተይ ተንስእ፡ ርአ እውን።   ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ንስኻስ ኣምላኽ እስራኤል ኢኻ።+ ቈላሕታኻ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ክትገብርሲ፡ ንቓሕ። ካብቶም ሕሱማት ከዳዓት ንሓደ እኳ ኣይትምሓር።+ (ሴላ)   ምሸት ምሸት ይምለሱ፣+ከም ኣኽላባት ሕኒን ይብሉ፡*+ ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ ኣለዉ።+   ካብ ኣፎም ዚወጽእ* እሞ ርአ፣“መን ዚሰምዕ ኣሎ፧” ይብሉ ኣለዉ እሞ፡+ከናፍሮም ከም ኣስያፍ እየን።+   ንስኻ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ክትስሕቆም፡+ንዅሎም ኣህዛብ ከኣ ከተላግጸሎም ኢኻ።+   ኣምላኽ እምባይ* እዩ እሞ፡+ኦ ብርታዐይ፡ ናባኻ እጥምት ኣለኹ።+ 10  እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ ኪረድኣኒ እዩ፣+ኣምላኽ ንጸላእተይ ብዓወት ኬርእየኒ እዩ።+ 11  ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ብሓይልኻ ዀለል ኣብሎም፣ኦ የሆዋ፡ ዋልታና፡ ኣውድቆም።+ 12  ብሰንኪ እቲ ዚዛረብዎ መርገምን ምትላልን፡ብሓጢኣት ኣፎም፡ ብቓል ከናፍሮም፡ብትምክሕቶም ይተሓዙ።+ 13  ብቝጥዓኻ ወድኣዮም፣+ከይህልዉስ፡ ወድኣዮም፣ኣምላኽ ኣብ ያእቆብን ክሳብ ወሰናት ምድርን ይገዝእ ከም ዘሎ ኣፍልጦም።+ (ሴላ) 14  ምሸት ይመለሱ፣ከም ኣኽላባት ሕኒን ይበሉ፡* ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸኣ ይጸናተዉ።+ 15  ዚብላዕ ደልዮም ኰለል ይበሉ፣+ኣይጽገቡ፡ መሕደሪ እውን ኣይርከቡ። 16  ኣነ ግና ብዛዕባ ብርታዐኻ ኽዝምር እየ፣+ንግሆ ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕሪ ብሓጐስ ክነግር እየ። ንስኻስ እምባይ፡+ብግዜ ጭንቂ ድማ መህደምየይ ኢኻ።+ 17  ኣምላኽ እምባይ፡ እቲ ብተኣማንነት ዜፍቅረኒ ኣምላኽ እዩ እሞ፡+ኦ ብርታዐይ፡ ንዓኻ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሳኦል ኪቐትሎ ኢሉ።”
ወይ፡ “ደም ካብ ዚጸምኡ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣድብዮም ይጽበይዋ።”
ወይ፡ “ይነብሑ።”
ወይ፡ “ዚግንፍል።”
ወይ፡ “ውሑስ መዕቈብየይ።”
ወይ፡ “ይንብሑ።”
ወይ፡ “ኸዚመልካ።”