ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 58:1-11

ትሕዝቶ

  • ንምድሪ ዚፈርዳ ኣምላኽ ኣሎ

    • እኩያት ኪቕጽዑ እተጸለየ ጸሎት (6-8)

ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* 58  ስቕ ኢልኩም ከለኹምሲ፡ ብዛዕባ ጽድቂ ኽትዛረቡዶ ትኽእሉ ኢኹም፧+ ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ብቕንዕናዶ ኽትፈርዱ ትኽእሉ ኢኹም፧+   ኣብ ልብኹምሲ ኽፍኣት እባ ደኣ ትምህዙ፣+ ኣእዳውኩም ድማ ኣብታ ምድሪ፡ ዓመጻ ይገብራ።+   እኩያት ካብ ከርሲ ኣትሒዞም የላግሱ፣* ካብ ማሕጸን ኣትሒዞም ፋሉላትን ሓሰውትን እዮም።   ሕንዞም ከም ሕንዚ ተመን እዩ፣+ ከምቲ እዝኑ ዚዓብስ መንደላይ ተመን ጸማማት እዮም።   ንሱ ኸኣ፡ ክእለት ስራዮም ብዘየገድስ፡ ድምጺ ዓዘምቲ ኣይሰምዕን።   ኦ ኣምላኽ፡ ኣስናኖም ካብ ኣፎም ኣርግፍ! ኦ የሆዋ፡ ምንጋጋ እዞም ሽደናት ኣናብስ ስበር!   ከም ዚጽንቀቕ ማያት ይጥፍኡ። ቀስቱ ገቲሩ ብፍላጻታቱ የውድቆም።   ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚሓቅቕ ኣረነ፡ ከምቲ ጸሓይ ዘይርኢ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።   ዋዒ እቲ እተኣጕደ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ናብ ቍራዓትኩም ቅድሚ ምብጻሑ፡ ንሱ ኸም ህቦብላ፡ ነቲ ጥሉልን ዚነድድን ቀሸም ይምንዝዖ።+ 10  ጻድቕ ነቲ ምፍዳይ ሕነ ስለ ዝረኣየ ኺሕጐስ፡+ ኣእጋሩ ኸኣ ብደም እቲ እኩይ ኪጥልቂ እዩ።+ 11  ሽዑ፡ ሰባት፡ “ንጻድቕ ብርግጽ ዓስቢ ኣለዎ።+ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ ብሓቂ ኣሎ” ኺብሉ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብልሹዋት እዮም።”