ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 57:1-11

ትሕዝቶ

  • ልማኖ ሞገስ

    • ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኣምላኽ ዚርከብ ዕቝባ (1)

    • ጸላእቲ ናብ መጻወድያኦም ይወድቁ (6)

ንኣላዪ፣ ብ“ኣይተጥፍእ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ካብ ሳኦል ናብ በዓቲ ምስ ሃደመ።+ 57  ኦ ኣምላኽ፡ ኣባኻ እምዕቈብ፡*+ ሽግራት ክሳዕ ዚሓልፍ ድማ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ እዕቈብ ኣለኹ እሞ፡+ ሞገስካ ኣርእየኒ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።   ነቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ነቲ ነዚ መወዳእታ ዚገብረለይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እጽውዖ ኣለኹ።   ካብ ሰማይ ረድኤት ኪሰድደለይን ኬድሕነንን እዩ።+ ነቲ ዚነኽሰኒ፡ ኬፍሽለሉ እዩ። (ሴላ) ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ኪልእኽ እዩ።+   ብኣናብስ ተኸቢበ ኣለኹ፣*+ ኣብ መንጎ እቶም ኪውሕጡኒ ዚደልዩ፡ ኣስናኖም ኲናውትን ፍላጻታትን ዝዀነ፡ ልሳኖም ከኣ በሊሕ ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣለኹ።+   ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+   ንኣእጋረይ ንምጽዋድ መርበብ ኣዳልዮምለይ ኣለዉ፣+ ብጭንቂ ጐቢጠ ኣለኹ።*+ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኵዒቶም ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ንሳቶም ኣብኡ ወዲቖም።+ (ሴላ)   ኦ ኣምላኽ፡ ልበይ ጽኑዕ እዩ፣+ ልበይ ጽኑዕ እዩ። ክዝምርን ከዝይምን እየ።   ክብረየ፡ ንቓሕ። ኦ በገና፡ ንስኺ እውን ኦ መሰንቆ፡* ንቕሒ። ንወጋሕታ ኸንቅሖ እየ።+   ኦ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክውድሰካ፡+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።+ 10  እቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻስ ዓብዪ፡ ክሳብ ሰማያት፡ እቲ ተኣማንነትካ ድማ ክሳብ ጠፈር እዩ።+ 11  ኦ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣባኻ ትምዕቈብ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብኣናብስ ተኸቢባ ኣላ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብጭንቂ ጐቢጣ ኣላ።”
ወይ፡ “ኽራር።”
ወይ፡ “ከዚመልካ።”