ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 56:1-13

ትሕዝቶ

  • ምስ ተሰጕጐ ዝጸለዮ ጸሎት

    • “ብኣምላኽ እእመን እየ” (4)

    • “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ” (8)

    • “ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” (4, 11)

ንኣላዪ፣ ብ“ኣብ ርሑቕ ዘላ ስቕ ዝበለት ርግቢ።” ናይ ዳዊት። ሚክታም።* ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጋት ምስ ሓዝዎ።+ 56  ኦ ኣምላኽ፡ መዋቲ ሰብ የጥቅዓኒ* ኣሎ እሞ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ። ምሉእ መዓልቲ ይብኣሱንን ይጭቍኑንን ኣለዉ።   ጸላእተይ ምሉእ መዓልቲ ይነኻኽሱኒ ኣለዉ፣ ብዙሓት ብትዕቢት ይብኣሱኒ ኣለዉ።   ምስ ዝፈርህ፡+ ብኣኻ እእመን* እየ።+   ብኣምላኽ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡— ብኣምላኽ እእመን* እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ። ሰብከ* እንታይ ከይገብረኒ፧+   ምሉእ መዓልቲ ንጕዳየይ የበላሽውዎ፣ ንጕድኣተይ ጥራይ እዮም ዚሓስቡ።+   ኬጥቅዑኒ ኢሎም ይሕብኡ፣ ህይወተይ* ኬጥፍኡ እናተጸበዩ፡+ ኵሉ ስጕምተይ ይቋመቱ።+   ብሰሪ እከዮም ደርብዮም። ኦ ኣምላኽ፡ ብቝጥዓኻ ንኣህዛብ ኣውድቆም።+   ንምዅብላለይ ትጽብጽቦ ኣለኻ።+ ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ።+ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተመዝገበን፧+   በታ ዘእውየላ መዓልቲ፡ ጸላእተይ ኬንሳሕቡ እዮም።+ በዚ እተኣማመን እየ፦ ኣምላኽ ኣብ ጐድነይ እዩ።+ 10  ብኣምላኽ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡— ብየሆዋ፡—በቲ ንቓሉ ዝውድሶ፡— 11  ብኣምላኽ እእመን* እየ፣ ኣይፈርህን ከኣ እየ።+ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧+ 12  ኦ ኣምላኽ፡ ንዓኻ ዝኣቶኽዎ መብጽዓ ኣሎኒ፣+ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።+ 13  ብብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኽመላለስሲ፡+ ካብ ሞት ኣናጊፍካኒ፡*+ ንኣእጋረይ ከኣ ካብ ምዕንቃፍ ኣድሒንካየን ኢኻ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ይነኽሰኒ።”
ወይ፡ “እውከል።”
ወይ፡ “እውከል።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋኸ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “እውከል።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ካብ ሞት ኣናጊፍካያ።”