ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 55:1-23

ትሕዝቶ

  • ፈታዊኡ ምስ ጠለሞ ዝጸለዮ ጸሎት

    • ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ኣባጨወሉ (12-14)

    • “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ” (22)

ንኣላዪ፣ ብበገና ዚስነ። መስኪል።* ናይ ዳዊት። 55  ኦ ኣምላኽ፡ ንጸሎተይ ጽን በል፣+ ነቲ ምሕረት ንምርካብ ዘቕርቦ ልማኖይ ድማ ዕሽሽ ኣይትበሎ።*+   ኣቕልበለይን መልሰለይን።+ ብሻቕሎተይ ዕረፍቲ ስኢነ፡+ ተረቢጸ ኣለኹ፣   እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ጸላእየይ ዚብሎ ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኻብቲ እኩይ ዚወርደኒ ዘሎ ጸቕጢ እዩ። ንሳቶምሲ ሽግር ኣብ ልዕለይ ኰሚሮምለይ ኣለዉ፣ ብቝጥዓ ድማ ይጸልኡኒ ኣለዉ።+   ልበይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ ኣላ፣+ ብሽበራ ሞት ከኣ ተዋሒጠ ኣለኹ።+   ፍርህን ራዕድን መጺኡኒ፡ ምንቅጥቃጥ ድማ ሒዙኒ ኣሎ።   “ኣየ፡ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወኒ! ነፊረ ብደሓን ምነበርኩ ነይረ።   እንሆ፡ ኣርሒቐ ምሃደምኩ ነይረ።+ ኣብ በረኻ እውን ምሓደርኩ ነይረ።+ (ሴላ)   ካብ ብርቱዕ ንፋስ፡ ካብ ህቦብላ ናብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ ነይረ” እብል።   ኦ የሆዋ፡ ኣብ ከተማ፡ ዓመጻን ግጭትን ርእየ እየ እሞ፡ ኣዐውኖም፡ ውጥናቶም ከኣ ኣፍሽል።*+ 10  መዓልትን ለይትን ኣብ መካበብያኣ ይዞሩ፣ ኣብ ውሽጣ ሕሰምን ሽግርን ኣሎ።+ 11  ኣብ ማእከላ ዕንወት ኣሎ፣ ጭቈናን ምትላልን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።+ 12  እቲ ዜባጭወለይሲ ጸላኢ ኣይኰነን፣+ እንተ ዚኸውንሲ ምተዓገስኩ። እቲ ዝተንስኣኒ ኸኣ፡ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ኻብኡ ምተሓባእኩ። 13  ግናኸ፡ ንስኻ ኸማይ ዝዀንካ ሰብ፡*+ ኣጸቢቐ ዝፈልጠካ ብጻየይ ኢኻ።+ 14  ብሓባር ጽቡቕ ዕርክነት ነስተማቕር ኔርና፣ ምስ ብዙሓት ድማ ናብ ቤት ኣምላኽ ንኸይድ ኔርና። 15  እከይ ኣብ መንጎኦምን ኣብ ውሽጦምን ኣሎ እሞ፡ ጥፍኣት ይውረዶም!+ ብህይወቶም ከለዉ እውን ናብ መቓብር* ይውረዱ፣ 16  ኣነ ግና ንኣምላኽ ክጽውዖ እየ፣ የሆዋ ኸኣ ኬድሕነኒ እዩ።+ 17  ምሸትን ንግሆን ቀትርን፡ እርበሽን እግዕርን* እየ፣+ ንሱ ድማ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።+ 18  ብዙሓት መጺኦምኒ እዮም እሞ፡ ኬናግፈንን* ካብቶም ዚብኣሱኒ ሰላም ኪህበንን* እዩ።+ 19  እቲ ኻብ ቀደም ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ኣምላኽ+ ኪሰምዖምን ኪምልሰሎምን እዩ።+ (ሴላ) እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርህዎ፡ ምልዋጥ ኪኣብዩ እዮም።+ 20  ንሱ* ነቶም ምስኡ ሰላም ዘለዎም ኣጥቂዕዎም፣+ ንኺዳኑ ድማ ጥሒስዎ።+ 21  ቃላቱ ኻብ ጠስሚ ይለዝብ፣+ ኣብ ልቡ ግና ግጭት ኣሎ። ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ፡ እተመልሐ ኣስያፍ እዩ።+ 22  ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣+ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።+ ንጻድቕ ኪወድቕ* ከቶ ኣይሓድጎን እዩ።+ 23  ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ግና ናብ ዝዓመቘ ጕድጓድ ከተውርዶም ኢኻ።+ እቶም ዕዳ ደም ዘለዎምን መታለልትን ሰባት፡ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣይኪነብሩን እዮም።+ ኣነ ግና ብኣኻ እእመን* እየ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ረድኤት ደልየ ኽጽሊ ኸለኹ ድማ ኣይትተሓባእ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልሳኖም ከኣ ፈላሊ።”
ወይ፡ “ማዕረይ ሰብ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እናወጽን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪብጀወንን።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ሰላም ኪህባን።”
ማለት፡ እቲ ኣብ ፍ. 13ን 14ን እተጠቕሰ ናይ ቀደም ፈታዊ።
ወይ፡ “ሰንከልከል ኪብል።”
ወይ፡ “እውከል።”