ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 53:1-6

ትሕዝቶ

  • እንታይነት ዓሻ ተገልጸ

    • “የሆዋ የሎን” (1)

    • “ጽቡቕ ዚገብር የልቦን” (3)

ንኣላዪ፣ ብቕዲ ማሓላት።* መስኪል።* ናይ ዳዊት። 53  ዓሻ ብልቡ፡ “የሆዋ የሎን” ይብል።+ ብዓመጻ ዚገብርዎ ተግባሮም ብልሹውን ፍንፉንን እዩ፣ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+   ኣምላኽ ግና፡ ልቦና ዘለዎ፡ ንየሆዋ ድማ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፡+ ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቊሉ ይጥምት።+   ኵላቶም ኣልጊሶም፡ ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም። ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።+   ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧ ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ። ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።+   ግናኸ፡ ኣምላኽ ንኣዕጽምቲ እቶም ዜጥቅዑኻ* ዘለዉ ፋሕ ኬብሎ እዩ እሞ፡ ቅድሚኡ ተሰሚዕዎም ብዘይፈልጥ ሽበራ፡* ብዓብዪ ሽበራ ኺምልኡ እዮም። የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡ ንስኻ ኸተሕፍሮም ኢኻ።   ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+ የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡ ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጻርካ ዚሰፍሩ።”
ወይ፡ “ዜፍርህ ኣብ ዘይብሉ ኺፈርሁ” ኪኸውን ይኽእል።