ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 52:1-9

ትሕዝቶ

  • ኣብቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ምውካል

    • ብኽፉእ ንዚምክሑ እተዋህበ መጠንቀቕታ (1-5)

    • ንኣምላኽ ዘይፈርሁ፡ ብሃብቲ ይእመኑ (7)

ንኣላዪ። መስኪል።* ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ መጺኡ ንሳኦል፡ ዳዊት ናብ ቤት ኣሒሜሌክ መጺኡ ኸም ዝነበረ ምስ ነገሮ፡ ዳዊት ዝዘመሮ።+ 52  ኣታ ጅግና፡ ስለምንታይ ኢኻ ብእከይ ግብርታትካ እትምካሕ፧+ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንምሉእ መዓልቲ እዩ።+   እታ ኸም መላጸ በላሕ ዝዀነት ልሳንካ+ ኽፉእ ትሓስብ፡ ምትላል ከኣ ትገብር።+   ካብ ሰናይሲ እከይ፡ ካብ ቅኑዕ እውን ሓሶት ትፈቱ ኢኻ። (ሴላ)   ኣቲ መታለሊት ልሳን፡ ኵሉ ጐዳኢ ቓል ትፈትዊ።   ስለዚ እዩ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዜጥፍኣኪ፣+ ኪምንዝዓክን ካብ ድንኳንኪ ኺምንጭተክን እዩ።+ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ።+ (ሴላ)   ጻድቃን ነዚ ኺርእዩን ኪፈርሁን፡+ ብእኡ ድማ ኪስሕቁ እዮም።+   “ንኣምላኽ መዕቈቢኡ* ዘይገበሮ፡+ የግዳስ፡ ብብዝሒ ሃብቱ እተኣመነ፡+ ኣብ እኩይ ውዲታቱ* ኸኣ እተጸግዐ* ሰብ እንሀ።”   ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ልሙዕ ኦም ኣውልዕ ክኸውን እየ፣ እምንቶይ ንዘለኣለመ ኣለም ኣብቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ።+   ስጕምቲ ስለ ዝወሰድካ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ፣+ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እሙናትካ ብስምካ ተስፋ ኽገብር እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ዕርዱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ዜምጽኦ ጸበባ።”
ወይ፡ “ዘጽለለ።”