ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 51:1-19

ትሕዝቶ

  • እተነስሐ ሰብ ዝጸለዮ ጸሎት

    • ካብ ዝጥነስ ኣትሒዘ ሓጥእ እየ (5)

    • ‘ካብ ሓጢኣተይ ኣንጽሃኒ’ (7)

    • “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ” (10)

    • እተደቝሰ ልቢ ንኣምላኽ ባህ የብሎ (17)

ንኣላዪ። ዳዊት ናብ ባትሴባ ድሕሪ ምእታዉ፡ ነብዪ ናታን ምስ መጾ ዝዘመሮ መዝሙር።+ 51  ኦ ኣምላኽ፡ ከምቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ፡ ሞገስካ ኣርእየኒ።+ ከምቲ ዓብዪ ምሕረትካ፡ ኣበሳይ ደምስስ።+   ካብ ስሕተተይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣+ ካብ ሓጢኣተይ እውን ኣጽርየኒ።+   ኣነስ ንኣበሳይ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ፣ ሓጢኣተይ ከኣ ወትሩ ኣብ ቅድመይ* እዩ።+   ልዕሊ ዅሉ፡* ንዓኻ እየ በዲለ፣+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽፉእ ገይረ።+ ስለዚ፡ ብዘረባኻ ጻድቕ ኢኻ፣ ብፍርድኻ ድማ ቅኑዕ ኢኻ።+   እንሆ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ፣ ኣደይ ከኣ ብሓጢኣት ጠኒሳትኒ።*+   እንሆ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ሓቂ ባህ ይብለካ፣+ ንውሽጠይ* ናይ ሓቂ ጥበብ ምሃሮ።   ምእንቲ ኽጸርስ፡ ካብ ሓጢኣተይ ብሃዛብ ኣንጽሃኒ፣+ ካብ ውርጪ ኽጽዕዱስ፡ ሕጸበኒ።+   እቲ ዝሓምሸሽካዮ ኣዕጽምተይ ምእንቲ ኺሕጐስሲ፡+ ደሃይ ደስታን ሓጐስን ኣስምዓኒ።   ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ምለስ፣*+ ንዅሉ ስሕተተይ እውን ደምስሶ።+ 10  ኦ ኣምላኽ፡ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣+ ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር።+ 11  ካብ ቅድሜኻ ኣይትደርብየኒ፣ መንፈስ ቅዱስካ ድማ ኣይተግድፈኒ። 12  ሓጐስ ድሕነትካ ምለሰለይ፣+ ክእዘዘካስ ናይ ፍታው መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ኣለዓዕል።* 13  ሓጥኣን ናባኻ ምእንቲ ኺምለሱስ፡ መገድታትካ ንኣበስቲ ኽምህሮም እየ።+ 14  ልሳነይ ጽድቅኻ ብሓጐስ ምእንቲ ኽትነግርሲ፡+ ኦ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድሕነተይ፡+ ካብ ዕዳ ደም ኣድሕነኒ፣+ 15  ኣፈይ ውዳሰኻ ምእንቲ ኺነግርሲ፡ ኦ የሆዋ፡ ከናፍረይ ክፈት።+ 16  መስዋእትስ ኣይትደልን ኢኻ፣—እምበር፡ ምሃብኩ፣+ በቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ደስ ኣይብለካን እዩ።+ 17  ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መስዋእቲ፡ ስቡር መንፈስ እዩ፣ ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ።+ 18  ንጽዮን ብጽቡቕ ፍቓድካ ጽቡቕ ግበረላ፣ መካበብያ የሩሳሌም ህነጽ። 19  ሽዑ፡ ብመስዋእቲ ጽድቂ፡ ብዚሓርር መስዋእትን ብምሉእ መስዋእትን፡ ደስ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ፡ ዝራብዓት ኣብ መሰውኢኻ ኬቕርቡልካ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣእምሮይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዓኻ ጥራይ።”
ወይ፡ “ካብታ ኣደይ ዝጠነሰትኒ ግዜ ኣትሒዘ ሓጥእ እየ።”
ወይ፡ “ነቲ ሕቡእ እንታይነተይ።”
ወይ፡ “ከውል።”
ቃ.ቃ.፡ “ብናይ ፍታው መንፈስ ደግፈኒ።”