ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መዝሙር 50:1-23

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ኣብ መንጎ እሙናትን እኩያትን ይፈርድ

    • ብመስዋእቲ ምስ ኣምላኽ እተኣትወ ኺዳን (5)

    • “ኣምላኽ ፈራዲ እዩ” (6)

    • ኵሎም እንስሳታት ናይ ኣምላኽ እዮም (10, 11)

    • ኣምላኽ ንእኩያት የቃልዖም (16-21)

ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+ 50  የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ*+ ተዛሪቡ፣ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ*ንምድሪ ጸዊዕዋ።   ካብ ጽዮን፡ እታ ፍጽምና ጽባቐ፡+ ኣምላኽ ኣብሪሁ።   ኣምላኽና ይመጽእ፡ ስቕ ድማ ኣይብልን እዩ።+ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣+ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብርቱዕ ህቦብላ ይኸውን።+   ንህዝቡ ምእንቲ ኺዳኒ፡+ንናይ ላዕሊ ሰማያትን ንምድርን ይጽውዖም፣+   “ናብቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዚኣትዉእሙናተይ ተኣከቡ” ይብሎም።+   ኣምላኽ ፈራዲ እዩ እሞ፡+ሰማያት ጽድቁ ይእውጁ። (ሴላ)   “ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ክዛረብ እየ፣ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ።+ ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ እየ።+   ኣነ ዝገንሓካስ ብምኽንያት መስዋእትኻ፡ብምኽንያት እቲ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኣይኰነን።+   ካብ ቤትካ ዝራብዕ፡ካብ ደምበኻ ኸኣ ድቤላታት ክወስድ ኣየድልየንን እዩ።+ 10  ከመይሲ፡ ኵሎም እንስሳ ዱር፡ኣብ ሽሕ ኣኽራን ዘለዉ እንስሳታት እውን ናተይ እዮም።+ 11  ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን እየ፣+ቍጽሪ ዘይብሎም እንስሳታት መሮር ድማ ናተይ እዮም። 12  ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩ እሞ፡+እንተ ዝጠሚ፡ ኣይምነገርኩኻን። 13  ስጋ ኣብዑርዶ እበልዕ እየ፧ ደም ድቤላታትዶኸ እሰቲ እየ፧+ 14  ንኣምላኽ ምስጋና ሰውኣሉ፣+መብጽዓኻ ድማ ነቲ ልዑል ሃቦ።+ 15  ብግዜ ጭንቂ ጸውዓኒ።+ ኣነ ኸናግፈካ እየ፡ ንስኻ እውን ከተኽብረኒ ኢኻ።”+ 16  ግናኸ፡ ኣምላኽ ንእኩይ ከምዚ ይብሎ፦ “ስርዓታተይ እትጽብጽብ፡+ወይ ብዛዕባ ኺዳነይ እትዛረብሲ እንታይ መሰል ኣሎካ፧+ 17  ንስኻስ ተግሳጸይ* ትጸልእ፡ንቓላተይ ድማ ዝባንካ ትህቦ ኢኻ።*+ 18  ሰራቒ ምስ ረኣኻ፡ ትሰምሮ፣*+ምስ ዘመውቲ ኸኣ ትሓብር። 19  ንኣፍካ ሕማቕ ንምስፍሕፋሕ ትጥቀመሉ፣ምትላል ድማ ምስ ልሳንካ ለጊቡ ኣሎ።+ 20  ተቐሚጥካ ኣንጻር ሓውካ ትዛረብ፣+ጕድለት ወዲ ኣዴኻ ኸኣ ትቐልዕ።* 21  እዚ ምስ ገበርካ፡ ኣነ ስቕ ኢለ፣ስለዚ፡ ከማኻ ዝኸውን መሲሉካ። ሕጂ ግና ክገንሓካ፡ምሳኻ ዘሎኒ ነገር ድማ ከቕርበልካ እየ።+ 22  ዜናግፈኩም ዘይብልኩም ኣነ ኸይሰላልዓኩምሲ፡ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፡ በጃኹም ነዚ ሕሰቡሉ።+ 23  እቲ ምስጋና ዚስውእ የኽብረኒ፣+ነቲ ውሱን መገዲ ዚስዕብ ከኣ፡ድሕነት ኣምላኽ ከርእዮ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እቲ መለኮት፡ የሆዋ ኣምላኽ።”
ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
ወይ፡ “ትምህርተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንቓላተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ትድርብዮ ኢኻ።”
ወይ፡ “ትሓብሮ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንወዲ ኣዴኻ ኸኣ ተጸልሞ።”